ፀገማት ግልጋሎታትን ምምሕዳርን ብዘላቕነት ንምምሕያሽ ፍሉይ ትኹረት ተዋሂቡ – ም/ቀ/ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፀገማት ግልጋሎታትን ምምሕዳርን መንግስቲ ብመሰረታዊነትን ዘላቕነትን ንምምሕያሽ ፍሉይ ትኹረት ከምዝተገበረ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

ሓለፍቲ ትካላት ኣብ ዝተረኸቡሉ መድረኽ ገምጋም  ኣፈፃፅማ ተግባራት መመሓየሺ ተግባራት ግልጋሎታትን ምምሕዳርን መንግስቲ ተኻይዱ።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር÷ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግልጋሎታትን ምምሕዳርን መሰረታዊ ፀገማት ስለነበሩዎ ሃገራዊ ልምዓትን ሸቶታት ሰናይ ምምሕዳርን ብዝድለ መጠን ከይዕወቱ ከምዝገበረ ኣብሪሆም።

ብምዃኑ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዓመታት እንተይተፈትሑ ዝፀንሑ ፀገማት ልምዓትን ግልጋሎትን ብምፍታሕ ጉዕዞ ብልፅግና ንምዕዋት መንግስቲ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እዚ ኣብ ጫፍ ንምብፃ ድማ ዓቕሚ ምፍፃ ትካላት ድኹም ምዃኑ ፈታኒ ከምዝገበሮ ገሊፆም።

ኣብታ ሃገር ኩለመዳይ ብልፅግና ንምርግጋፅ ዝወፅኡ ትልሚታትን ፖሊሲታትን ንምዕዋት ዓቕሚ ምፍፃ መንግስቲ ምምሕያሽ ወሳኒ ከምዝኾነ ተኣሚኑሉ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፆቡ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰርቪስ ሲቪል ፌዴራል መኩሪያ ሃይሌ (ዶ/ር) ብግደኦም÷ “ኣብ ኢትዮጵያ እናተተግበረ ዝፀንሐ ሲቪል ሰርቪስ ንሃገርና ዘይምጥንን ብዙሓት ስብራታት ዘለዉዎ ኢዩ” ኢሎም።

ናይ ለውጢ መንግስቲ እዚ ሃገራዊ ፀገም ብትኹረት ብምርኣይ መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእ ግልጋሎታትን ምምሕዳርን መንግስ መመሓየሺ ንምግባር እናሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment