ፀገማት ኣወሃህባ ኣገልግሎት ብምፍታሕ ጥንኩር ናይ ምፍፃም ዓቕሚ ኣብ ምህናፅ ብዕቱብ ክስራሕ ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትካላት መንግስቲ ዝረኣዩ ፀገማት ኣወሃህባ ኣገልግሎት ብምፍታሕ ጥንኩር ናይ ምፍፃም ዓቕሚ ኣብ ምህናፅ ብዕቱብ ክስራሕ ኢዩ ተባሂሉ።

ቢሮ ፐብሊክ ሰርቢስን ሃፍቲ ልምዓት ሰብን ከተማ ኣዲስ ኣበባ፥ ኣብ መፅናዕቲ መመሓየሺ ኣወሃህባን ኣፈፃፅማን ዓቕሚ ህንፀት ኣድሂቡ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ኣብ ዝተረኸቡሉ ልዝብ ተገይሩ።

ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ሃይሉ ሉሌ፥ እቲ መፅናዕቲ ውፅኢታዊ ኣገልግሎት ህዝቢ ተበፃሕነትን ንምዕባይ ዝረኣዩ ፀገማት፣ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን ትካላት፣ ምዕባይ ብቕዓት ሃፍቲ ሰብ ብዝርዝር ብምድህሳስ ናይ መፍትሒ ኣንፈት ንምቕማጥ ዝዓለመ ከምዝኾነ ገሊፀም።

ድሌትን ዕግበትን ኣገልግሎት ሕብረተ ሰብ ኣብ ምዕባይ ዝተርኣዩ ለውጡታት ብዝበለፀ ኣጠናኺርካ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።

ኣብ መብዛሕተኦም ትካላት ብኣሰራርሓ ኣገልጋላይ ናይ ምዃን መንፈስ ንምስራፅን ጭቡጥ ለውጢ ንምምፃእን ዝበረታታዕ ይኹን እምበር ኣብ ዝተወሰኑ ትካላትን ወረዳታትን ናይ ተበግሶ ፀገማት ከምዘለዉ ኣብሪሆም።

ብቲ ዝተኻየደ ዘተ ምክትል ከንቲባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ መለሰ ኣለሙን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓታት እታ ከተማ ዝተረኸቡ እንትኾኑ፥ ኣብ ሴክተር ቤት ዕዮታት፣ ክፍለ ከተማታትን ወረዳታትን ዘሎ ርካብ ሱፐርቪዥን ኣወሃህባ ኣገልግሎት ቀሪቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment