ፀገማት ኢትዮጵያ ብኢድ ኣእታውነት ግዳማውያን ምፍታሕ ኣይከኣልን ክብሉ ነበር ኣምባሳደራት ኣሜሪካ ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘጓነፍዋ ፀገማት ብኢድ ኣእታውነት ግዳማውያን ክፍታሕ ከምዘይከኣልን እቲ ፍታሕ ካብ ውሽጢ ክመፅእ ከም ዘለዎን ነበር ኣምባሳደራት ኣሜሪካ ኣምባሳደር ቲቦር ናዥን አምባሳደር ዶናልድ ቡዝን ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘጋጠሙዋ ፀገማት ንክትቃላዕ ካበዝገበርዋ ቀንዲ ምኽንያት ምክፍፋል ዓሌት ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ነበር ኣምባሳደራት፥ “ኢትዮጵያውያን ኣፈላላዮም ብምክእኣልን ሓድነትን በሰላም ምንባር ዝኽእልሉ መገዲ ምእላሽ ኣለዎም” ኢሎም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያን ጊኒን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ብምዃን ዘገልገሉን ኣብ ዘበነ ስልጣን ትራምፕ ሓጋዚ ጉዳያት ወፃኢ ዘነበሩን ኣምባሳደር ቲቦር ናዥ ከምኡ እውን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ላይቤሪያን ዛምቢያን ዝነበሩ ዶናልድ ቡዝ፥ ኢትዮጵያውያን ንድፍኢት ግዳማውያን ሓይልታት ዘይንበርኸኹ ምዃኖም ከምዝተዓዘቡ ገሊፆም፡፡

ክልቲኦም ኣምባሳደራት ምስ ፀብፃቢ ድምፂ ኣሜሪካ ካሮል ስቲዮ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ እቲ ቐንዲ መልዐሊ ፀገም እታ ሀገር ዓሌት መሰረት ዝገበረ ስርዓት ፌደራሊዝም ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡

ቐዳማይ ሚኒስተር ኣብይ አሕመድ ናብ ስልጣን ምምፀኦም ስዒቡ ካብ ዝገበርዎም ምምሕያሻት ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ርኡይ ቦታ ዝወሃቦም ከምዝኾኑ አምባሳደር ቲቦር ናዥ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዘሎ ጎንፂ አዎንታዊን አሉታውን ግደ ከምዘለዎም ዝገለፁ እቶም ዲፕሎማት፥ “ፀገማት ኢትዮጵያ ካብ መሰረቱ ንምፍታሕ ኢትዮጵያን ብሓድነት ተኣኪቦም ብዛዕባ ፅባሕ ክመያየጡ ኣለዎም” ኢሎም፡፡

ኣብ ወፃኢ ዘሎ ማሐበረሰብ ዓለም እውን ንኢትዮጵያ ክኾን ኣለዎ ኢሎም ዝሓሰበዎ ኣንፈት ካብ ምድላው፤ እቲ ህዝቢ ነቶም ፀገማቱ ምፍታሕ ዝኽእለሉ መገዲ ኣብ ምድልዳል ንክሕግዝ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment