ፀገማት ብዘላቕነት ንምፍታሕ ኣእዳው ሰላም መንግስቲ ኣይዕፀፉን – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአዩ ፀገማት ብዘላቕነት ንምፍታሕ ኣእዳው ሰላም መንግስቲ ኩል ግዘ ከምዘይዕፀፉ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

ምስ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ተተሓሒዙ ዘሎ ፀገም ብዘላቕነት ንምፍታሕ መንግስቲ በሪታት ሰላም ክፍቲ ገይሩ እናተፀበየ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም፡፡

ውሽጣዊ ፀገማት ኢትዮጵያ ንምፍታሕ ምትሕብባር ዜጋታታ፣ ናይ ኩሎም ኣካላት ንሰላም ዘለዎም ቆራፅነትን ንምኽክር ድሉዋት ምዃንን ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

ብፍላይ ምስ ኲናት ኢትዮጵያ ተተሓሒዙ ዘሎ ፀገም ብሰላማዊ ዘተ ንምፍታሕ ቆራፅነት መንግስቲ ከምዘሎ ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ምክትል ፕሬዚዳንት÷ ብጥፍኣት ክቕፅሉ እንተደሊዮም ግን ተቓራኒ ሓሳባት ኣለዉ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ንኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒታት ብዝብል መምርሒ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ መንግስቲ ንሰላም ቅድሚት ብመሃብ እናሰርሐ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ “ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአዩ ፀገማት ብዘላቕነት ንምፍታሕ ኣእዳው ሰላም መንግስቲ ኣይዕፀፋን” ኢሎም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment