ፀገማት ስርዓተ ምግቢ ንምፍታሕ ብዕቱብ ይስራሕ ኣሎ – ዶክተር ሊያ ታደሰ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ፀገማት ስርዓተ ምግቢ ንምፍታሕ ብዕቱብ እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ዓለም ለኸ ፀብፃብ ሓሬታ ኢንዴክስ ጥሜት 2022፥ ሚኒስቴር ሕርሻን ሚኒስቴር ጥዕናን ምስ ኣላያንስ 2015 መሓዙት ትካላት ብምትሕብባር ዕላዊ ገይሮም፡፡

“ምሕደራ ታሕተዋይ ውዳበ ስርዓተ ምግቢን ትራንስፎርሜሽንን” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ዘተ ቀፀልቲ ኣንፈታት ኣቐሚጦም፡፡

መንግስቲ ፖሊሲ ምግቢን ስነ-ምግቢን፣ ስትራቴጂ፣ ቃልኪዳን ሰቆጣን ካልኦት ዝተፈላለዩ ፕሮግራማትን ብምትግባር ዜጋታት ሕስና ምግቢ ዘለዎም ንምግባር እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ኣመልኪተን ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ መብርሂ ሂበን፡፡

ኢኮኖሚያ ምዕባለ ንምርግጋፅ፣ ሞት ህፃናት ንምንካይን ዘላቒ ሽቶታት ልምዓት ንምዕዋትን ከምዚ ዝበለ ዓለም ለኸን ሃገር ለኸን ሓበሬታታት ኣዚዮም ኣድለይቲ ከምዝኾኑ ምግላፀን ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

Comments (0)
Add Comment