ፀገማት ሰናይ ምምሕዳርን ብልሹዋት ኣሰራርሓታትን ይፈትሕ ዝተብሃለ ሓበሬታ ዝወሃበሉ ሴፍትዌር ዕላዊ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፀገማት ሰናይ ምምሕዳርን ብልሹዋት ኣሰራርሓታትን ይፈትሕ ኢዩ ዝተብሃለ ሓበሬታ ዝወሃበሉ ሴፍትዌር ምድንፍዑ ምሕደራ ድሕንነት ሓሬታን ኢንፎርሜሽንን ኣፍሊጡ።

ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ዝተገበረ ሶፍትዌር÷ ዜጋታት ኣብ ትካላት ኣገልግሎት ንምርካብ ከይዶም ንብልሹው ኣሰራርሓ እንትቃልዑ ከምኡ እውን ተግባር ግዕዝይና እንተጋጥሞም ብስልኮም ሓሬታ ዝህቡሉ ቴክኖሎጂ ኢዩ ተባሂሉ።

ብምዃኑ ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ ዝህብ ሰብ ብዘይስግኣት ስልኩ ምስ ኢንተርኔት ብምርኻብ ዘጋጥሙዎ ብልሹዋት ኣሰራርሓታትን ተግባራት ግዕዝይናን ክጥቁም ከምዝኽእል ዋና ዳይሬክተር እቲ ምሕደራ ሰሎሞን ሶካ ኣብሪሆም።

ስርዓት ድሕንነቱ 24 ሰዓት ዝተሓለወ ቴክኖሎጂ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም፡፡

ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ዝተገበረ ሓሬታ መውሀቢ ሴፍትዌር፥ ብምሕደራ ድሕንነት ኢንፎርሜሽንን ድሕንነትን ኮሚሽን ፀረ ግዕዝይናን ስነ-ምግባርን ፌዴራልን ርኽክብ ተገይሩ።

ኣብ ስነ-ስርዓት እቲ ርኽክብ፥ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፀረ ግዕዝይናን ስነ-ምግባርን ፌዴራል ሳሙኤል ኡርቃቶን ዋና ዳይሬክተር ምሕደራ ድሕንነት ኢንፎርሜሽንን ድሕንነትን ኣይተ ሰለሞን ሶካን ስምምዕነት ውዕሊ ከምዝተፈራረሙ ተሓቢሩ፡፡

ብታሪክ ኣዱኛ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment