ፀወታ ውድድር ፍፃመ ፅዋዕ ዓለም ሎሚ መዓልቲ ምሸት ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 22 ፀወታ ውድድር ፍፃመ ፅዋዕ ዓለም ኳታር ሎሚ መዓልቲ ምሸት ኣብ ሞንጎ ኣርጀንቲናን ፈረንሳይን ክካየድ ኢዩ።
ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፖውያን 20 ሕዳር 2022 ኣብ ኳታር ዝጀመረ እቲ ውድድር፥ ሎሚ መዓልቲ ምሸት ሰዓት 12 መዛዘሚኡ ክረክብ ኢዩ፡፡
32 ሃገራት ዝተሳተፋሉ ፅዋዕ ዓለም፥ ሴኔጋል ፣ ጋና፣ ካሜሮን፣ ቱኒዚያን ሞሮኮን ንኣፍሪካ ዝወከላ ሃገራት ነይረን።
ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ክሳብ ፍርቂ ፍፃመ ብምጉዓዝ ብርቱዕ ንሕንሕ ዝገበረት እንትትከውን፥ ትማሊ ምሸት ብክሮሺያ 2 ን 1 ተሳዒራ ራብዓይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚማ።
ኣርጀንቲናን ፈረንሳይን ንፍፃመ ዝበፅሓ ሃገራት እንትኾና÷ ምሸት ሰዓት 12 ፅዋዕ ንምዕታር ዝገብረኦ ንሕንሕ ብሃንቀውታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡
Comments (0)
Add Comment