ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)24 ሃገራት ዝሳተፋሉ ፀወታታት ፅዋዕ ኣውሮፓ 2024 ሎሚ መዓልቲ ክጅምሩ ኢዮም።
ፅዋዕ ኣውሮፓ 2024 ሎሚ ምሸት ሰዓት 4 ዝጅምር እንትኸውን፥ ጀርመን ምስ ስኮትላንድ ብዝገብርኡ መኽፈቲ ፀወታ ክፍልም ኢዩ።
ፅባሕ ሰዓት 10 ድሕሪ ቀትሪ ሃንጋሪ ምስ ስዊዘርላንድ፣ ምሸት ሰዓት 1 ስፔን ምስ ክሮሽያ፣ ምሸት ሰዓት 4 ጣልያን መስ ኣልባኒያ ክፃወታ ኢየን።
ብሓፈሻ ኣብ ቀዳማይ ዙር መርሃ ግብሪ ፀወታ
ምድብ ሓደ፥
ጀርመን፣ ስኮትላንድ፣ ሃንጋሪን ስዊዘርላንድን
ምድብ ክልተ፥
ስፔን፣ ክሮሽያ፣ ጣልያንን ኣልባኒያን
ምድብ ሰለስተ፥
ስሎቬኒያ፣ ዴንማርክ፣ ሰርቢያን እንግሊዝን
ምድብ ኣርባዕተ፥
ፖላንድ፣ ኔዘርላንድስ፣ ኦስትሪያን ፈረንሳይን
ምድብ ሓሙሽተ፥
ቤልጂየም፣ ስሎቫኪያ፣ ሮማንያን ዩክሬንን
ምድብ ሽዱሽተ፥
ቱርኪ፣ ጆርጂያ፣ ፖርቹጋልን ቼክ ሪፐብሊክን ተመዲበን ኣለዋ።