ፀወታታት ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ እንትቕፅሉ ጋንታታት ቅዱስ ጊዮርጊስ ምስ ሃዲያ ሆሳእና ክፃወታ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)መበል 13 ሰሙን ፀወታታት ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ እንትቕፅሉ ጋንታታት ቅዱስ ጊዮርጊስ ምስ ሃዲያ ሆሳእና ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ።

ክሳብ ሕዚ ብዝተገበሩ ፀወታታት ስዕረት ዘየጋጠማ ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ደረጃኣ ንምሕላውን ካብ ተኸተልታ ሃዋሳ ከተማን ፋሲል ከተማን ዘለዋ ነጥቢ ንምስፋሕ ናብ ሜዳ ክትኣቱ ኢያ፡፡

ምስ ጋንታ ወልቂጤ ማዕረ 16 ነጥቢ ብመሓዝ ኣብ መበል 10ይ ደረጃ ትርከብ ጋንታ ሃዲያ ሆሳእና ድማ ደረጃኣ ንምምሕያሽ ናብ ሜዳ ክትኣቱ ኢያ፡፡

ቅዱስ ጊዮርጊስ ድሕሪ ነዊሕ ጉድኣት ኣዲስ ግደይ ዝረኸበት እንትትከውን፥ ብተፃራሪ ከነኣን ማርክነህ ካብ ጉድኣቱ ብዘይምድሓኑ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ፀወታ ከምዘይስለፍ ተረጋጊፁ፡፡

ሃዲያ ሆሳእና እውን ኣስቻለው ግርማን ኤፍሬም ዘካርያን ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ፀወታ ናብ ሜዳ ክምለሱላ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ሊጉ ቀጥሎ ሲካሄድ ምሽት 1 ሰዓት ላይ አዳማ ከተማ ከመከላከያ የሚያደርጉት ጨዋታ ተጠባቂ ነው

እቲ ሊግ ምሸት 1 ሰዓት ጋንታታት ኣዳማ ከተማ ምስ መከላከያ ዝገብረኦ ፀወታ ክቕፅል ኢዩ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment