ፀወታታት ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ 2024/25 ሎሚ መዓልቲ ክጅምሩ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)36 ጋንታታት ኣውሮፓ ዘሳትፍ ሓዱሽ ውድድር ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ መዓልቲ እንትጅምር ኤሲ ሚላን ኣብ ሜዳኣ ሳንሲሮ ምስ ሊቨርፑል ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡

በብዙሓት ዘይተፈተወ እቲ ሓዱሽ ቅርፂ ውድድር ሻምፒየንስ ሊግ÷ ብላዕለዎት ሓለውቲ ኩዕሾ እግሪ ኣውሮፓ ተቐባልነት ድሕሪ ምርካቡ ሎሚ ምሽት ምትግባር ክጅምር ኢዩ፡፡

እቲ ውድድር እንትጅመር ምሽት ሰዓት 1፡45 ጋንታ ስዊዘርላንድ ያንግ ቦይስ ምስ እንግሊዛዊት ጋንታ ኣስቶንቪላ ከምኡ እውን ጁቬንቱስ ምስ ፒስቪ ክራኸባ ኢየን፡፡

ካልኦት ናይ ሎሚ መዓልቲ መርሃ-ግብሪታት እንትቕፅሉ÷ ፖርቹጋላዊት ጋንታ ስፖርቲንግ ሊዝበን ምስ ፈረንሳዊት ጋንታ ሊል፣ ሪያል ማድሪድ ምስ ጀርመናዊት ጋንታ ስቱትጋርት፣ ኤሲ ሚላን ምስ ሊቨርፑል ከምኡ እውን ባየርን ሙኒክ ምስ ክሮሺያዊት ጋንታ ዳይናሞ ዛግሬብ ብተመሳሳሊ ሰዓት ምሽት ሰዓት 4 ክካየዱ ኢዮም፡፡

ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝትግበር ሓዱሽ ቅርፂ ውድድር÷ ሕድሕድ ጋንታ ሸሞንተ ፀወታታት ተካይድ፡፡

ኣብቲ ውድድር ካብ 1ይ ክሳብ 8ይ ደረጃ ብመሓዝ ዝዛዝማ ጋንታታት ብቐጥታ ናብ ርብዒ ፍፃመ ከምዝፅምበራ ዝወፅ መርሃ ግብሪ የረድእ፡፡

ካብ 9 ክሳብ 24 ደረጃ ዝሕዛ ድማ ብፀወታ በፂሕኻ መልሲ ትዕወት ጋንታ ናብ ርብዒ ፍፃመ ክትፅምበር ኢያ፡፡

Comments (0)
Add Comment