ፀብፃብ ዓለም ለኸ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ስነ ምግባር ሙያ ዘይብሉ ኢዩ- ተመራማሪ ዶ/ር ዳርእስከዳር ታዬ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝወፅአ ፀብፃብ ዓለም ለኸ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ስነ ምግባር ሙያ ዘይብሉ ኢዩ ክብሉ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ መራሒ ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ ተመራማሪ ዶ/ር ዳርእስከዳር ታዬ ገሊፆም።

ዶክተር ዳርእስከዳር ታዬ፥ ሰብኣዊ መሰል ንረብሓ ፖለቲካ ብዛዕባ ምውዓል በዝምልከት ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ገይሮም።

ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰል ዘይግድሶምን ብናይ ባዕሎም ሕጊ ጥራሕ ዝምርሑን ሃገራት፥ ብሰብኣዊ መሰል ካብ ምኽሳስ ወፃእ ፈተውቲ ኮይኖም ዝተፈላለዩ ደገፋት ዝገብርሉ ኣጋጣሚታት ብዙሕ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ንሳቶም ዝደልይዎ ኣጀንዳ ዘየፈፅሙ ሃገራት ግን ብሰበብ ሰብኣዊ መሰላት እንትውንጅሉ ይረኣዩ ኢሎም።

ናይዚ መርኣያ ድማ ኢትዮጵያ ኢያ ክብሉ ኣብሪሆም።

ምዕራባውያን ብዙሕ እዋን ብሰብኣዊ መሰል ኣነ እፈልጠልካ ብምባል ዝኽተልዎ ድልየት ሰብኣዊ መሰል ከም መሳርሒ ከምዝጥቀሙ ተዛሪቦም።

ሃገራት ንምጥቃዕን ድልየቶም ንምፍፃምን ካብ ዝጅምሩ ሕቶ ሰብኣዊ መሰላት ቀፂሎም ናይ ሚዲያ ወፍሪ ከምዝኸፍቱ ገሊፆም።

ኣብዚ ሰሙን ዝወፅአ ፀብፃብ ካብ ባዶ ብምጅማር ድልየቶም ንምምላእ ፃዕሪ ይገብሩ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ኲናት ኣብ ዓፋርን ኣምሓራን ምክያቱ ብውስኑ ዘርኣየ ፀብፃብ ብኣብዝሓ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ጥራሕ ጠመተ ከምዝገበረ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ፀብፃብ ዓለም ለኸ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ስነ ምግባር ሙያ ዘይብሉ ኢዩ ክብሉ ተመራማሪ ዶ/ር ዳርእስከዳር ታዬ ኣብሪሆም።

ብተወሳኺ ኣብቲ መፅናዕቲ መበገሲ እቲ ኲናት ምፅናዕን ምፍላጥን ኣገዳሲ ኢዩ ክኸውን ነይርዎ ኢሎም።

ይኹን እንበር እቲ መፅናዕቲ ነዚ ከምዘየርኣየን ደልየት እውን ከምዘይብሉን ተዛሪቦም።

እዚ እንተዝርእይ ናይቲ ኲናት ጀማሪ መን ምዃኑ ስለዘርእይ እቲ ፀገም ናይ መን ከምዝኾነ ብግልፂ ክረኣይ ነይሩ ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment