“ፀብፃብ ዓለም ለኸ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ንፖለቲካዊ ባህጊ መፈፀሚ ዝወዓለን ሓቂ ዝኸሓደን ኢዩ”-ጄፍ ፒርስ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) “ፀብፃብ ዓለም ለኸ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ንፖለቲካዊ ባህጊ መፈፀሚ ዝወዓለን ሓቂ ዝኸሓደን ኢዩ” ክብሉ ተመራማሪ ታሪኽ ጄፍ ፒርስ ኣፍሊጦም።

ካናዳዊ ተመራማሪ ታሪኽን ደራሲን ጄፍ ፒርስ፥ በቲ ኮሚሽን ምስክርነትን ፍልፍላት ሓበሬታን ዝተጋበዙ ሰባት ብምሕባር ኣብ ማሕበራዊ መዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ተፈፂሙ ተባሂሉ በቲ ኮሚሽን ዝቐረበ ፀብፃብ ነቲ ግብረ ራዕዲ ዘዘንበለን እቲ ኮሚሽን ዝጋበዞም ፍልፍላት ሓበሬታ ምድንጋር ዝፈጠረ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቶም ፍልፍላት ኣብ ከይዲ ምርመራ መረዳእታ ብምሃብ ነክሳተፉ እቲ ኮሚሽን እንተጋበዞም እውን ምስክርነቶም ኣብቲ ፀብፃብ ከምዘይተኻተተ ከምዝገለፅሎም ሓቢሮም።

ዓለም ለኸ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት፥ ኣብ ዓፋር ዝተፈፀመ ጨፍጫፍ፣ ኣብ ቤቶም፣ መስጊድ፣ መፃሕፍቲ ሃይማኖትን ከባቢኦምን ዝተፈፀመ ደብዳብ ኣፅዋራት ኲናት ኩሎም ንምክታት ዘይምድላዩ ገሊፆም።

ኣብ ዓፋር ብ100 ሺሕ ዝቑፀሩ ተመዛበልቲ ኣብ መገዲን መዓስከርን ዝረኣይዎ ኣበሳ፣ ፃምእ ማይን ሃሩር ፀሓይን እቲ ኮሚሽን ከምዘይረኣየ ከምዝሓለፎ ተዛሪቦም።

ኩነታት ተመዛበልቲ ብሓደ መስመር ጥራሕ ምሕላፉ ጄፍ ፒርስ ኣብ ፅሑፎም ገሊፆም።

ስለዝኾነ እቲ ኮሚሽን ዘውፅኦ ፀብፃብ ንፖለቲካ ባህጊ መፈፀሚ ንክውዕል ዝተተለመን ሓቂ ዝኸሓደን ኢዩ ኢሎም።

እዚ ድማ ንሰብኣዊነት ዝጭነቕ ከምዘይኮነ ዘርእይ ኢዩ ኢሎም።

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ቴድሮስ አድሓኖም ኣብ መዓልቲ ክሳብ 8 ግዘ ብዛዕባ እቲ ጉጅለ ራዕዲ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዎም መረዳእታታት ከምዝፅሕፉ ጄፍ ፒርስ ኣብ መረዳእተኦም ኣስፊሮም።

እዚ ድማ እቲ ዝመርሕዎ ትካል ካብ ዝተጣየሸሉ ዕላማ ወፃእ ዝኾነ ኢ- ስነ ምግባራዊን ፖለቲካዊ ጉዳያትን ንከይኣቱ እቲ መተሓዳደሪ ደንቢ እንተኸልከለ እውን እቶም ዋና ዳይሬክተር ግን እዚ እናገበሩ ምንም ዘይምብሃሎም ገሊፆም።

ጄፍ ፒርስ፥ “ውድብ ጥዕና ዓለም ብስርዓትን መምርሒን ዘይግዛእ ኣባል ጉጅለ  ገበን ኲናት ብዝኾነ ዝምራሕ ግዙፍ ዓለም ለኻዊ ትካል ከምዝኾነ” ፅሒፎም።

ብዓለማየሁ ገረመው

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment