“ፀሓይ ሕሶት እንትትጠልቕ መፃወዲያ ሽርሐኛታት ክብጠስ ኢዩ!!”

ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተውሃበ መግለፂ

ኩሉ ግዘ ቅድሚ ምውግሑ ዓሚቕ ፀልማት ይኸውን። ኣብ ውሽጢ ስግግር ምሸትን ወጋሕታን ዘይሓለፈ ወለዶ የለን። ብርቱዕ ፀልማት ዋግዋጎ ወጋሕታ ዘብስር ስለዝኾነ፣ እቲ ምሸት መሲዩ እንተተረፈኸ? ወይ ድማ ወጋሕታ እንተዘይመፅአኸ?’ ኢልና ኣይንሰግእን። ምውግሑ ኣይቐርን እሞ ዘደንግፅ ፀልማት ብብርሃን ወጋሕታ ክልወጥ ኢዩ። ዋግዋገ ወጋይታ ሓዱሽ መዓልቲ እንትፍንጥቕ ዘፍርሑ ኣራዊታት ነናብ ጉድጓዶምምእታዎም፣ ናይ ለይቲ ቁሪ እውን ንናይ ቀትሪ ሙቐት ምስግጋሩ ዘይቐሪ ኢዩ። ኣብ ቀትሪ ዝተሰወሩ ከዋኽብቲ እውን ካብ ዝኾነ ይኹን እን ንላዕሊ ደሚቖም ዝረኣዩ ፀልማት እንትብርትዕ ኢዩ።

ኣብ ጉዕዞ ህይወትና ካብ ዝተፀበይናዮ ተስፋ ወጋሕታ ቀዲሙ ፀልማት ዝመስል ፈተና ኣብ ቅድሜና ከንፀላሉ ይኽል ኢዩ፡፡ እቲ ፈተና ሓዱሽ እናመሰለና ረብሻ ስምዒት የጋጥመና፡፡ ኣብ ፖለቲካ፣ ኮኖሚ፣ ምሕደራን ካልኦት ማሕበራዊ ከይዲታትን ኩሎም፣ ማሕለኻታትን ፈተናታትን ኣቲና ንባዕልና ንረኽቦ፡፡ ውልቀ ሰባትን ስድራቤታትን፣ መንግስታትን ሃገራትን ኣብ ሕቶ ስግኣት ህልውና ጥፍኣት ኣቲዮም ኣብ ውሽጢ መፃብብ የሕልፉ፡፡ እቲ ቀንዲ ሕቶ ‘እዚ ግዘ ክሓልፍ ድዩ ወይስ ኣየሓልፍ?’ ዘይኮነስ ብኸመይ ይሕለፍ ኢዩ እቲ ዘጋጥም ፀገምን ኣብ ፀልማት ደሚቑን ተዓዋቲ ኮይኑን ንብዙሓት አዕሲሉ ንዝወፅእ ኮኸብ ዕድል ጅግንነት እውን ኢዩ።

ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ብዙሕ ከረምቲን ሓጋይን፣ ፀልማትን ብርሃንን ዝተፈራረቑዎም ውፃእ ውረዳትን ማሕለኻታትን ኣሕሊፋ ኢያ፡፡ ኣብ ዝኣተወቶ ናይ ክረምቲን መሃሙቕ ውድቀትን ፈተናታት ከውታ ለይቲን ብቆራፃት ደቃ ብሽርሒ ክፉኣት ተጠሊፋ ክትወድቕ ዶ ትኾን? ዝብል ስግኣት እንተኣተዉ እውን ኢዶም ኣጣሚሮም ክም ምፅባይ ብተስፋን ናፅነትን ብህይወቶም ተደራዲሮም ፀገማ ተጋፊጦምላ ኢዮም። ፀላእታ ንምሕፋር ክሳዶም ንሰይፊ፣ ደረቶም ንጥይት ሂቦም ኢዮም። ስለዝኾነ ድማ ከም ፀልማት ዝበርትዑ ፀላእታ እንትወድቁ፣ ርእሳ ኣቕኒዓ ክትጓዓዝ ገይሩዋ ኢዩ።

ብዙሓት ሃገራት ዓለም እውን ንሕነሳ ሎሚ እነሓልፈሉ ብሽርሒን ስግኣት ምብትታንን፣ ብሓደ ወይ እውን ብኻሊእ ዘመን ኣጋጢሙወን ይፈልጥ ኢዩ። ከም ዩጎዝላቪያን ሶሪያን፣ ሶማሊያን ሊቢያን ዝበላ ሃገራት ብስግኣተን ተጠሊፈን ወዲቐን ኢየን። ከም ጀርመንን ጃፓንን፣ ኮርያን ቬየትናምን ዝበላ ሃገራትድማ ተመሳሳሊ ቀውሲ ሓሊፈን፣ ፈተነአን ፊት ንፊት ተጋፍጠን፣ ንሓበራዊ ዓወት ብሓድነት ሰሪሐን፣ ናብ ዓወት ካብ ሞንጎ ዝበቕዓ ሃገራት ብቕድሚት ዝፅራሓ ሃገራት ኢየን። እዘን ሃገራት ሎሚ ብኢኮኖሚያዊ ዓቕመንን ዘበናዊ ፖለቲካዊ ምሕደረአንን፣ ብቴክኖሎጂን ማሕበራዊ እሴተንን ኣዚየን ዘበነዎት ካብ ሞንጎ ዝበሃላ ሃገራት ዝምደባ ኮይነን ኢየን። ዘፅልእ ፈተና ሪአን ሓሊፈንኦ ኢየን፡፡ ዘጋጠሙወን ማሕለኻታት ከም መቐይሮ ነጥቢ እናተጠቐማ ሕዚ ናብ ዝርከባሉ ብርኪ በፂሐን ኢዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ዘጋጠሙዋ ፈተናታት፣ ዘይሓለፈቶም ፈተናታት የለዉን። ንኹሎም ስዒራ ክትወፅእ ዝኸኣለት ድማ ብሓድነት፣ ብብልሓትን ብምድማርን ኢዩ። ካብ ወፃኢ ዝመፅአ ሓደጋ ይኹን ካብ ውሽቲ ዝተለዓለላ ፈተና፣ ክንዲ ዘኣክል ዝበርተዐ ይኹ እምበር ደቃ ብሕብረት ደው እንትብሉ ልዕሊ ዓቕሞም ኮይኑ ኣይፈልጥን።

ብኻሊእ መልክዑ ድማ “ኣነ እንተ ሞይተ” በሃልቲ፣ ንውልቀ ረብሓ ክብሉ ኣዲኦም ዝሸጡን ሃገሮም ኣሕሊፎም ዝህቡን፣ ፀላኢ ከምዝደለዮ ዝጋልቦም ከንቱ ደቃ ምኽንያት ኢትዮጵያ ብዙሕ እዋን ናብ ብርቱዕ ፈተና ኣቲያ ኢያ።

ሎሚ እውን ኣብ ደሓን እዋን ትንፋሳ ዘኾነሰቶ፣  ካብ መኣዳ በሊዑ ዝፀገበ ሓይሊ ጁንታው፣ ሃገር ንፀላኢ  ኣሕሊፉ ንመሃብ ዓይኑ ዘየሓሲ ባንዳ ስለዝኾነ እቲ ፈተና በርቲዑና ኢዩ። ብሓድነት ጠጠው እንተኢልናን እንተተደሚርናን ግን እዚ ፈተና ስዒርና፣ እቲ ፀገም ናብ ዓወት፣ እቲ ዕድል ናብ ዓቢዪ ዓወት ለዊጥና፣ ሃገርና ናብ ትደልዮ ሰላምን ምዕባለን ከምነብፀሓ ክንጠራጠር የብልናን።

ንዘበናት ኣብ ሙሉእ መሓውር ኢትዮጵያ ተሰግሲጉ ዝነበረ ህወሓት ኣለ፡፡ እዚ ጉጅለ ንባዕሉ እናበርተዐ፣ ንኢትዮጵያ ኣብ ሱር ደማ ተሸኲዑ እናመዝመዛን እናመረዛን ነይሩ ኢዩ፡፡ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ሕዚ ተፀራሪጉ ክወፅእ ኣብ ኣፍ ደገ ፃዕረ ሞት ኮይኑ እናተንፈራገጠ ይርከብ፡፡ ዕድምኡ ንምንዋሕ ናይ መወዳእታ ምንፍርጋጥን ናይ ሞት ስዕረት ቃልሲ እናገበረ ይርከብ፡፡ ናይ ሞት ስዕረት ኣይትረስዑኒ ምንፍርጋጡ በዚሑ ኢዩ፡፡ ቅድሚ ግብኣተ መሬቱ ክትወፅእ ዝበለት ነብሱ ክሳብ ዘለትሉ እዋን ምንፍርጋጡ ፀረ ሰላም ምዃኑ ኣይተርፍን፡፡ ክፉእ መርዙ ተኺሉ ፅግዕተኝነቱ ኣብ ዝመስረተላ ሰሜናዊት ክፋል ሃገርና ተነቒሉን ተፀራሪጉን ክሳብ ዝወፅእ ደዌ ኢዩ እሞ ሕማሙ ክኢልና፣ መዐገሲ መድሓኒት እናወሰድና ክንፀንሕ ኢና። ዘየዳግም፣ ፀረ ግብረ ራዕዲ መድሓኒቱ ጎድናዊ ጉድኣቱ ዝኾነ ቃንዝኡን ሕማሙን ተዓጊስና እንተፀኒሕና፣ ህወሓት ይኹን ዝኾነ ይኹን ኣዲኡ ንምሻጥ ዝደራደር ሓይሊ ሕማቕ ተዘክሮ ታሪኽ ካብ ምዃን ዝዘለለ ረብሓ እንተይሃለዎ ኣብ ቀረባ እዋን ንዘለኣለም ክሰናበት ኢዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ብብዙሕ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ሽርሒታት ሓሊፍና ኢና፡፡ ሎሚ ኣብ ዲፕሎማሲታትና ዝረአ ልዑል ምትዕንቓፍ ቅድሚ ሰለስተን ኣርባዕተን ዓማውቲ ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ዝረአ መዓ፤ልታዊ ስቓይና ኢዩ ነይሩ፡፡ ኣብ ዘፈር ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን፣ ኣብ ምምሕዳር፣ ስርዓት ሕጊ፣ ኣብ ስርዓት ፀፅታን ድሕንነትን፣ ካብ ክልል ክሳብ ወረዳ ኣብ ኩሉ ቦታ ቀውሲ ነይሩ ኢዩ፡፡ ኣብቶም ቦታታት መድሓኒት ክስባ ዝርከብ ስቓይ ነይሩ፤ ስለዝኾነ ድማ ሕዚ እውን ኣብ ውሽጢ ዲፕሎማሲና ዘሎ ፀገም ናብ ቀውሲ ኣቲና ኢልና ክንድንግፅ ኣይትግባእን፡፡ ፀላኢ ኩሉ ግዘ ብምፍርራሕን ብፕሮፓጋንዳን ቀዲሙ ክስዕረና እንትፍትን ተሳዒርና ክንፅበዮ ኣይግባእን።

ንዋገኦ ዘለና ሓይሊ ቀንዲ ዕጥቁ ሓሶት ኢዩ፡፡ ማሕበራዊ ምትእስሳር ሓዊሱ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብቲ ሓፋሽ ሓደ ሓሶት ብዝተኮሰ ቁፅሪ ትድንግፁ ሰባት ብዘይፍላጥ ተሓባበርቲ እቲ ጁንታ እናኾንኩም ከምዝኾነ ፍለጡ።

ሰብ ሓደን ክልተን ግዘ ክሽወድ ይኸውን፤ ኣብ ዝሓለፉ ብዚሓት ዓማውቲ ዝተገራህኹምዎ ከየኣክልሎሚ እውን ብፕሮፓጋንዳ ብምድንጋር፣ ረብሓ ሃገርኩም ካብ ምስኣን ብዝዘለለ ምንም ዝጠቕመኩም ነገር የለን፡፡ ብፍላይ ደቀቕቲ ነጥቢታት ብምግጥጣም ናይ ሽርሒ ትንታነ ንመሃብ ትለዓሉ ሰባት፣ ሽርሒ ብምትንታን ምሁር ናይ ምዃን እወን ሓሊፉ ኢዩ፡፡ ሕዚ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምኽባር ግቡእ ቦታ ምስላፍ ዝሕተተሉ እዋን ኢዩ፡፡ ጸላእቲ ኢትዮጵያ ቅድም ክብል ብሕቡእ ዝገብሩዎ ዝነበሩ ስራሕ ሕዚ ብግልፂ ኣብ ክልተ ግምባራት ኲናት ከፊቶም ኣለዉ፤ ኣብ ግምባራት ዓውደ ኲናትን ዲፕሎማሲን፡፡ ስለዝኾነ ድማ ህልውና ኢትዮጵያ ዝደሊ ኩሉ ካብ ሽርሒ ትንታነን ካብ ኣጓጉል ምብርጋግን ወፂኡ ንኽቲኦም ግምባራት ብዕሊ ይፀምበር።

እቲ ጁንታ ተሪፎምኒ ዝብሎም ናይ ክፍኣት ካርዲታት ኩሎም ተጠቒሙ ከሸብረና፣ ከጓንፀናን ከፈላልየናን ዝኽእለሉ እምኒ ፈንቂሉ ኢዩ፡፡ ብገንዘብ ንህዝቢና ሓዊ እናለኮሰን ንሕድሕዱ ብምግጫው ንሱ ኣብ ብናይ ምቹው ሓዊ እናሞቐ ብህዝብና እንተላግፅ ፀኒሑ ኢዩ። ሕዚ ድማ ብተፃራሪ ተባራሪ ኮይኑ ኣብ ፃዕረሞት ይርከብ፡፡ ፀሓዩ እናጠሓለት ትርከብ፡፡ ኣብ ናይ ሞት ስዕረት ጉይኡ ድማ ዝቐበሮን ዝተረፎን ናይ መወዳእታ ጠያይቱ እናተኮሰ ይርከብ፡፡ ኣብ ናይ መወዳእታ ምሽጋቱ ኮይኑ ናይ ፃዕረ ሞት ድምፁን ተስፋ ናይ ምቑራፅ ፈኸርኡን እናስመዐ ይርከብ፡፡

ኢድ ሃገርና ንምጥምዛዝ ዝደሊ ዲፕሎማሲን ምዕራብ ዓለምን ኣውያት  ሚዲያታትን እውን ድምፂ እቲ ጁንታ ብምግዋሕ ደጀን ንምዃን ፃዕሪ እናገበረ ይርከብ፡፡ ተሓባቢርና እቲ ፅዕንቶ ንምፅዋርን ንምመካትን እንተቆሪፅና እዚ ሓይሊ ንመወዳእታ እዋን ከብቀዐሉ ኢዩ።

ዲፕሎማሲን ርክብ ወፃእን “ሂብካ ብምቕባል” መርህ ዝምራሕ ፖለቲካዊ ዳንስ እዩ። ብትኽክለኛ መስመር ርክብ ዝተቓነየ ዲፕሎማሲ ብቐንዱ ተጠቃሚት ትኸውን ሃገርና ስለምዃና ኣብ ጥርጣረ ኣየእትውን። ብኣንፃሩ ረብሓን ሉኣላውነትን ሃገርና ኣብ ሓደጋ ብዘውድቕ መልክዑ ዝቃነ ርክብ ንጊዜኡ ሩፍታ ዝህብ እኳ እንተመሰለ ዘላቒ ጉድኣቱ ግን ኣመዛኒ እዩ። ነዚ ንምትዕርራይ ድማ መንግስቲ ግደኡ ይዋፃእ ኣሎ፤ ንቐፃሊ እውን ቅዋሙ ኣፀንኪሩ ክቕፅል እዩ። ብመንፅር እዚ ክፍለጥ ዘለዎ ሓደ ቐንዲ ሓቂ ኣሎ፤ ንሱ ድማ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ቀንዲ ፅዕንቶ ዝፍጠር ብስሩዕ መገዲ ጥራይ ኣይኰነን። ንኣብነት ምዕራባውያን ፀቕጢ ክገብሩሎን ኣብ ልዕሊ ዝደልይዎን ሃገራት ዓለም-ለኸ ሚዲያታት ተጠቒሞም ሰፋሕቲ ዝዀኑን ዝተፈላለዩን ወፍሪ ፀብፃባታት ከምዝገብሩ ፀሓይ ዝወቕዖ ሓቂ እዩ።

ሎሚ ዀነ ትማሊ ዝበፅሑና ፀቕጥታት “ይኣክል” ምባል እንትንጅምር ኣፍረስትን መፀለምትን ዝዀኑ ወፍሪ ሚዲያን ሓበሬታን ይኽፈቱና እዮም። ንሳቶም ዓበይቲ ዓቕምን ሽፋንን ኣለዎም፤ ህዝቢ ዓለም ግጉይ ምስሊ ንክህልዎ ዘኽእሉ ብርክት ዝበሉ መሳርሕታት ሚዲያን ብርቱዕን ዕኹልን ሓይሊ ኣለዎም። ስለዝዀነ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ፀቕጢ ሚዲያን ዲፕሎማሲን ንምምካት ኩሉ ፈታዊ ሃገሩ ክረባረብ ይግብኦ። ተደሚርና ዝበፅሐና ወፍሪ ፀቕጢ ክንምክት ይግባእ። ብማሕበራውን ብዋናን ሚዲያ፣ ኣብ ውሽጢዓድን ወፃእን፣ ብውልቀን ብሓባርን፣ ብተናፀልን ብምንባብን ንሃርና ዝጎድኡ ግጉያት ዜናታት ክንቃወምን ክነመክንን ይግባእ። ሓቂ ብትኽክል እንተተዘሪባ ንሓሶት ትስዕር ኢያ። ብምዃኑ ድማ ኩሉ ዜጋ ንሃገሩን ንሓቂን ዘብዒ ደው ክብልን ሓቂ ንክስዕር ክፅዕር ኣለዎ። ኣብዚ ኣድላዪ ግዘ ኩሉ ፈታዊ ሃገሩ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኮይኑ ደው ንኽብል ኣዲኡ ፃውዒትተቕርብ ኣላ፡፡ክሳብ ሀዚ ውሑዳት ዘይበሃሉ ደቂ ሃገር ናብቲ ቃልሲ ተሓዊሶም ንሃገርና ብርቱዕ ፍልሚያ ኣብ ምግባር ይርከቡ፡፡

እዞም ናይ ኢትዮጵያ ጀጋኑ ቁርፂ እዋን፤ ሃገርና ኢትዮጵያ ክሳብ ሀዚ ሓድነታን ሉዓላዊነታን ሓሊያ ዝጸንሐት ብብርቱዕ ፃዕርን ምትሕብባርን እምበር፤ኢድካ ዓፂፍካ ኮፍ ብምባልን ወረ ብምእራይ ከምዘይኮነ ጠንቂቖም ይፈልጡ እዮም፡፡ ናብ ካሊእ ኢድከ ካብ ምጥቋም “ሃገረይ ዝገጠማ ሽግር ንምምካት ካባይ እንታይ ይድለ?” ብዝብል መንፈስ ንጉሆን ምሸትን ከይደኸሙ ይቃለሱ፡፡

ኣብ ሃገሮም ኮነ ኣብ ወፃኢ ይንበሩ፤ፀገም ሃገርና ኣብ ምቅላስ ዝረኸቡዋ ዕድል ንምልዋጥ ወግሐ ፀብሐ ብምውዳቕ ግቡኦም ካብ ምብርካት ንድሕሪት ኣይበሉን፡፡ኢትዮጵያ እውን ንዝገብሩዎ ቃልሲ ተመስግን። ብተመሳሳሊ ፃውዒታ ተቐቢሎም ኣብ ዱርን በረኻን መስዋእትነት ሂወት ብምኽፋል ህልውና ሃገርና ንምቕፃል ተጋድሎ ዝገብሩ ጀጋኑ ኢትዮጵያውያን ታሪኽ ንዘልኣለም ክዝክሮም እዩ፡፡እዚኦም ኩሎም ሃገር ኣብ ዝፀልመታ ኣብዚ ለይቲ እዚ ድሙቓት ከዋኽብቲ ሓድነትን ፋና ናፅነትን እዮም፡፡ ፀሓይ ሓሶት እንትትዓርብ መፃወድያ ተንኮለኛታት ምብጣሱ፣ሓቂ እውን ክሳዳ ኣቕኒዓ ምርኣያ ኣይተርፍን፡፡እቲ ፀልማት ክበርህ እዩ፣ክረምቲ እውን ክሃልፍ እዩ፣ እዚ ፈተና እውን ሰይሩና ዘይኮነስ ኣበርቲዑና ክውዳእ እዩ፡፡ ዘለና መማረፂ ንቕድሚት፣ ናብ ምዕባለ፣ ናብ ናፅነትን ሰላምን ምግስጋስ እዩ፡፡

ካብ ዝሓለፈ ወለዶ ዝተቐበልናያ ሃገር ዝሐሸትን ዝተመረጸትን ገይርና ንመጻኢ ወለዶ ንምርካብ ብሓባር ንለዓል፡፡ፀላኢ ናብ መፃወድያና እናኣተወ እዩ፡፡ናይ ምስዓር ዓቕምና ተዋዲዱን ተጠናኺሩን ይመፅእ ኣሎ፡፡ከምቲ ዝኣተናዮ ቃል ኢድ ኣፍ ዘፅዕን ገድሊ ምፍፃምና ነበስረሉ ጊዘ ቀረባ እዩ። ምሳና ዘሎ ኣምላኽ ኢትዮጵያ እዩ፤ ቃልስና ድማ ንረብሓ ኢትዮጵያ እዩ። ዝቃለስ ዘሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ እዩ። ኣብ መወዳእታ ታሪክ ከምዝነግረና ሰዓሪት ኢትዮጵያ እያ።

ኢትዮጵያ ብፃዕሪ ደቃ ተሓፊራን ተኸቢራን ንዘልኣለም ትንበር!!

ፈጣሪ ኢትዮጵያን ህዝባን ይባርኽ!

9 ነሓሰ፣ 2013 ዓ.ም

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment