ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዚያ፣ 2014(ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓሙስ ፅግቦ(ፀሎተ ሓሙስ) ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓታት ኣብ መላእ ሃገር ሎሚ መዓልቲ እናተኸበረ ክውዕል ኢዩ።
ሓሙስ ፅግቦ ብኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርሰቲያንን ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያንን ትሕትና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘርእይ መገዲ ብዝተፈላለዩ ስነ ሰርዓታት ተኸቢሩ ዝዉዕል ኢዩ።
ስለዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ሎሚ መዓልቲ እግሪ ሃዋሪያት ብምሕፃብ ፍፁም ትሕትና ዘምሃረሉ ስርዓት ብምዝኽኻር እዩ እቲ በዓል ዝኽበር።
ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ አቡነ ማትያስ ናይ ብፁኣን ጳጳሳት፣ ጳጳሳት ናይ ቆሞሳት፣ ካህናት ናይ ምእመናት እግሪ ብምሕፃብ ኣርኣያ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምስዓብ ነቲ ስርዓት ክፍፅሙ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፥ ሊቀ ጳጳሳት ዘካቶሊካዊያን ኣብ ዝተረኸብሉ እቲ ሰርዓት ክኽበር ኢዩ።
ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።