“ጳጉሜን ብምድማር” ብዝብል መሪሕ ቃል መዓልቲ ወለንታ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)“ጳጉሜን ብምድማር” ብዝብል መሪሕ ቃል መዓልቲ ወለንታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይኽበር ኣሎ።

ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ከባቢ ብምፅራግ፤ ፈልሲ ብምትካልን መምሃሪ ክፍሊታት ተምሃሮ ንሓዱሽ ዘበነ ትምህርቲ ድሉዋት ናይ ምግባር ስራሕቲ እናተሳለጠ ይርከብ፡፡

ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤን ካልኦት ላዕለዎት ሓፍቲ ስራሕ እውንኣብ ቤት ትምህርቲ ጥቁር ኣንበሳ ተረኺቦም መዓልቲ ወለንታ ኣጀሚሮም፡፡

“ሎሚ መዓልቲ ዓመት ሙሉእ ብወለንታ እናካየድናዮም ዝነበሩ ተግባራት ንዛዝመሉ መዓልቲ ኢዩ” ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፥ እቲ ዕለት ልዕሊ ኩሉ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝኸፈተልና ኲናት ንህላወና፤ ንሰላምናን ሉኣላዊነትናን ህይወቱ ብመሃብ መስዋእቲ እናኸፈለ ዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ከምኡ እውን እቲ ጥምር ጦር እናሃቡ ዝርከቡ ዝዓበየ ስለዝኾነ ምስጋና ይግበኦም” ምባለን ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment