ጭካነ ጉጅለ ህወሓት ዝኹንኑ ሰልፊታት ተኻይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጭካነ ዝተመልኦ ተግባር ጉጅለ ህወሓት ዝኹንኑ ሰልፊታት ኣብ ማይ ካድራ፣ ራያ ቆቦን ኣላማጣን ተኻይዶም።
ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ክልል ትግራይ እናካየዶ ዝርከብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ከምዝድግፉ እውን ኣፍሊጦም።
እቶም ሰልፈኛታት ህዝቢ ትግራይ ሰላማዊ ህዝቢ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ከሓዲ ጉጅለ ህወሓት ንሰላማዊ ህዝቢ ትግራይ እውን ፀላኢ ኢዩ ክብሉ እውን ተዛሪቦም።
ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን ዝተፈፀመ ጭካነ ዝተመልኦ ተግባር ታሪኽ ዘይርሰዖ ክሕደት ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡
መንግስቲ እዚ ኣረመኔያዊ ተግባር ዝፈፀሙ ኣካላት ተኸታቲሉ ግቡእ ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስደሎም ይግባእ ብምባል ሓሳቦም ገሊፆም፡፡
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
Comments (0)
Add Comment