ጫፍ ዝሓዙ ተረኻት ንኹሉ ብዘረዳድኡ ተረኻት ክትክኡ ይግባእ – ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጫፍ ዝሓዙ ተረኻት ንኹሉ ብዘረዳድኡ ተረኻት ክትክኡ ከምዝግባእ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር ገሊፆም።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ምስ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ከምኡ እውነ ምስ ኣፈ ጉባኤታት ክልላት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ደቡብ ኢትዮጵያን ፃንሒት ገይሩ፡፡

ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ፥ “ኣብ ሃገርና ብስፍሓት ዝንፀባረቑ ኣተሓሳስባታት ምግንፃንል ምጥቕላልን ዝሓዙ ክልተ ነፀላ ተረኻት ንኹሉ ብዘረዳድኡ ሓበራዊ ተረኻት ክትክኡ ኣለዎም” ኢሎም፡፡

ጫፍ ዝሓዙ ኣካይዳታት ብምቅላስን ብምእራምን ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ምክእኣልን ንኹሎም ሃይማኖታትን ባህሊታትን ዘተኣናግድ ሓበራዊ ተረኽ ንምፍጣር ኩሉ ግድኡ ክዋፃእ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም፡፡

ንተረኻት መበገሲ ዝኾነ ታሪኽ እውን ከም መምሃሪ ብምቑፃር እቲ ተረኽ እናኣረምካ ምሕላፍ ናይዚ ወለዶ ሓላፍነት ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ስርዓት ካብ ኣመለኻኽታ ጠቕላላይነትን ተነፃልነትን  ብምውፃእ ኢትዮጵያ ናይ ብዙሓት መንነታት፣ ብሄር ብሄረሰባት፣ ቋንቋታትን ባህሊታትን ሃገር ምዃና ዝተቐበለን ዘኽበረን ከምዝኾነ ኣብሮሆም።

ኣፈ ጉባኤ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ወንድሙ ኩርታ ብግደኦም፥ ኣብ ሃገርና ሓቢርካ ኣብ ክንዲ ምንባርን ምልማዕን ምፍልላይ፣ ፅልኢትን ፅንፈኝነት ዝሰብኩ ተረኻት እናተንፀባረቑ ከምዝነበሩ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ ሓበራዊ ኣብ ዝገብሩን ንቕድሚት ዘሰጉሙን ጉዳያት ጥራሕ ምድሃብ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም፡፡

ከም ሃገር ብዙሓት ሓደ ዝገብሩ ሓበራዊ ታሪኻት ኣለዉና ዝበሉ ድማ ኣፈ ጉባ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ኣዳማ ባዬ ኢዮም፡፡

ንናፅነት ሃገር ብሓባር ዝተኸፈለ ዋጋን ንልምዓት ግድብ ህዳሰ ዝተገበረ ሓበራዊ ኣስተዋፅኦን ኣይተ ኣዳማ ከም ኣብነት ፀሪሖም፡፡

ብፈትያ ኣብደላ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment