ጨፌ ኦሮሚያ መበል 12 ስሩዕ ጉባኤኡ የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ )ሓምሻይ ዓመት፣ 5ይ ዘበን ስራሕ፣ መበል 12 ስሩዕ ጉባኤ ጨፌ ኦሮሚያ የሳልጥ ኣሎ።

ኣፈጉባኤ ጨፌ ኦሮሚያ ወይዘሮ ሎሚ በዶ፥ እቲ ጨፌ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲን ፅባሕን ውዕሉኡ ኣፈፃፅማ ስራሕ ዓመት 2012 ከምዝግምግም ተዛሪበን።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ተዛቲዩ ከምዘፅድቕ ሓቢረን።

ብተወሳኺ መበል 11 ቃለ ጉባኤ ጨፌ ኦሮሚያ ክፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ምፅዳቕ ሓዱሽ ረቂቕ ኣዋጅ ፈሳሲ ማይ እቲ ክልል እውን ካሊእ ዛዕባ እቲ ጉባኤ ኢዩ ተባሂሉ።

ምርቃቕ ሕጊን ኣብ ምፅዳቕ ሹመት ዝጎደሉ ኣመራርሓታት ከምዝካየድ እውን ካብ ጨፌ ኦሮሚያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment