ጦር ጀነራላትን መኮነናትን ኤርትራ ኣብ ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ዑደት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጦር ጀነራላትን ላዕለዎት ኣመራርሓ መኮነናትን ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያን ምሕደራ መርበብ ሓበሬታን ድሕነንትን ዑደት ኣካይዶም።

እቶም ኣመራርሓ ሰራዊት፥ ዓቕሚ መሰረተ ልምዓት ቴክኖሎጂ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ እቲ ኢንስቲትዩትን እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ምርምርን ልምዓትን ተዓዚቦም።

ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ወርቁ ጋቸና፥ ነቶም ጀነራላትን መኮንናትን እቲ ኢንስቲትዩት እናሰርሖም ብዛዕባ ዝርከብ ዕዙዝ ማሕበራዊንን ኢኮኖሚያዊን ረብሓ ዘለዎም ስራሕቲ ምርምርን ልምዓትን ዝምልከት ገለፃ ገይሮምሎም።

መተሓባበሪ ጉጅለ ጦር ጀነራላትን ኣመራርሓ ጦርን ኤርትራ ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ብግደኦም፥ ኣብቲ ኢንስቲትዩት ዝገበርዎ ዑደት ንሃገሮም ብዙሕ ልምዲ ዝወሰድሉ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ሓቢረን ክሰርሓ ዘኽእለን ዕድል ከምዘሎ ዝተረድኡሉ ዑደት ከምዝኾነ ምግላፆም ካብቲ ኢንስቲትዩት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ጉጅለ ኣመራርሓ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ምሕደራ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ኢትዮጵያ ዑደት ኣሳሊጡ፡፡

ዋና ዳይሬክተር እቲ ምሕደራ ኣይተ ሰለሞን ሶካ÷ ምሕደራ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታ ድሕንነት ሳይበር ሃገር ኣብ ምሕላው ዝሰርሖም ስራሕቲን ኣብ ምርምርን ልምዓትን ዝተዓጠቖም ፍርያታትን ኣገልግሎታትን ኣጎብኒዮም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment