ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጦር ኣሜሪካ ሰለስተ ሚሳኤላትን ሰብ ኣልቦ ኣውሮፕላናትን ኣብ ጥቓ እስራኤል ሚሳኤላትን ድሮናትን ወቒቑ ከምዘውደቐ ኣፍሊጡ።
ኣቐባሊ ቃል ፔንታገን ብርጋዴር ጀኔራል ፓት ራይደር፥ ሚሳኤላትን ድሮናትን ኣብ ትሕቱ ቁፅፅር ዓመፅቲ ሁቲ ካብ ዝርከቡ ግዝኣታት የመን ዝተተኮሱ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም፡፡
እቶም ጦር መሳርሒታት ካብ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ኣንፈት ሰሜን ከምዝተተኮሱ ብምሕባር፥ ዕላመኦም ብኣንፃራዊንት ኣብ እስራኤል መጥቃዕቲ ንምፍፃም ከምዝነበረ ኣልዒሎም፡፡
ይኹን እምበር ዘበናዊ መርከብ ጦር ኣሜሪካ ካብ ዓመፅቲ ሃውቲ ዝተተኮሱ ሰለስተ ሚሳኤላትን ብዙሓት ሰብ ኣልቦ ኣውሮላናትን ዕላመአን እንተየዕወታ ወቒዑ ከምዘውደቐን ገሊፆም፡፡
ኣብ ሞንጎ ሃማስን እስራኤልን ዝተጀመረ ኲናት እናተጋደደ ምምፅኡ ስዒቡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣሜሪካ ተወሳኺ ጦር ናብ እስራኤል ምፅጋዓ ኣር ቲ ኣብ ፀብፃቡ ሓቢሩ፡፡
ብካሊእ መዳይ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ዋሺንግተን ሃማስን ሩሲያን ክስዕራ ኣይፈቅድን ክብሉ ተሰሚዖም፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com