ጥፍኣትን ኢ-ሰብኣዊ ተግባርን ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብዝተሓባበረ ቅልፅም ኣብ ሓፂር እዋን ደው ምባል ይግባእ-ዶ/ር ኣረጋዊ በርሄ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይቲ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ናይ ጥፍኣትን ኢ-ሰብኣዊ ተግባርን ብዝተሓባበረ ቅልፅም ኣብ ሓፂር እዋን ደው ምባል ይግባእ ክብሉ ኣቦ መንበር ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ትግራይ  ዶ/ር ኣረጋዊ በርሄ ገሊፆም።

ዶ/ር ኣረጋዊ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ሓዊሱ ብወረራ ኣብ ዝሓዞም ኣከባቢታት ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ዜጋታት ግፍዒ ይፍፅም ኣሎ ኢሎም።

ሰለማዊ ዜጋታት ብጅምላ ምቕታል፣ ዓፊኑ ምስቓይን ዘረፋ ምፍፃምን ዕለታዊ ተግባሩ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ ግብረ ራዕዲ ካብ ምስረትኡ ጀሚሩ ህዝቢ ትግራይ ብሰላም ንከይነበር ዝገበረ ናይ ግፍዐኛታት እኩብ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ሐዚ እውን እንተኾነ ህዝቢን ህፃናትን ትግራይ ኣገዲዱ ናብ ኲናት የሳውሮም ከምዘሎ ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፉ ግዜታት ብወረራ ኣብ ዝሓዞም ከባቢታት ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ልዑል ዘረፋን ዕንወትን ብምፍፃም ንደቂ ሰባት ዘለዎ ፅልኣት ብተግባር ኣረጋጊፁ ኢዩ ኢሎም።

ሰሞኑን እንኳን በደቡብ ወሎ አምባሰልና ውጫሌ እንዲሁም በአፋር ጭፍራ መጠነ ሰፊ ጥቃት በመክፈት የጥፋት ተግባር ፈጽሟል።

ብፍላይ መጥቃዕቲ ንምፍፃም እንትንቀሳቐስ ህፃናት፣ ደቂ ኣኒስቲዮን ሽማግለታትን ኣብ ቅድሚት ኣሰሊፉ ንጥፍኣት ከምዝዳርጎም ይፍለጥ።

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ካብ 20 ክሳብ 30 ኪሎ ሜትሮ ከቢድ መሳሪያ ብምትኳስ ነባሪ ከተማ ተሸቢሩ ንክፈናቐል ምግባሩን ካብ 30 ዘይወሓዱ ንፁሃን ዜጋታት ምቕታሉን መንግስቲ ምግላፁ ይዝከር።

ስለዝኾነ ናይቲ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ናይ ጥፍኣትን ኢ-ሰብኣዊ ተግባርን ብዝተሓባበረ ቅልፅም ኣብ ሓፂር እዋን ደው ምባል ይግባእ ክብሉ ዶ/ር ኣረጋዊ በርሄ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment