ጥዕና ደቂ ኣዶታትዮን ህፃናትን ንምምሕያሽ ትኹረት ተገይሩ ይስራሕ ኣሎ – ዶክተር ሊያ ታደሰ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብምኽንያት ምፍሳስ ደም ንምንታይ ኣዶ ትሙት ብዝብል መሪሕ ቃል ወርሒ ጥዑያት ኣዶታት ሎሚ መዓልቲ ምኽባር ጀሚሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ንመበል 15 ግዘ ዝኽበር ዘሎ እቲ ወርሒ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ክኽበር ኢዩ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ መጀመሪ እቲ በዓል፥ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ሓዊሱ ሚኒስትራትን ካልኦት ሓለፍቲን ተረኺቦም፡፡

እተን ሚኒስትር፥ ጥዕና ደቂ ኣንስትዮን ኣዶታትትን ንምምሕያሽ ትኹረት ተገይሩ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፀን።

ቅድሚ 10 ዓመት 10 ሚኢታዊ ዝኾና ኣዴታት ናብ ትካላት ጥዕና ናይ ምኻድ ልምዲ ዝነበረን እንትኾና፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን 51 ሚኢታዊ ዝኾና ኣዴታት ናብ ትካላት ጥዕና ከምዝኸዳ ተሓቢሩ።

ሕዚ እውን እንተኾነ ግን ምስ ጥንሲን ሕርሲን ተተሓሒዙ ብዙሓት ኣዴታት ህይወተን ከምዝስእናን ሞት ኣዴታት ንምንካይ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ክረባረቡ ከምዝግባእን ተገሊፁ።

ብቅድስት ብርሃኑ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment