ጥዕና መናእሰይን ሰገናትን ትኹረት ተዋሂቡ ከምዝስራሕ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጥዕና መናእሰይን ሰገናትን ትኹረት ተዋሂቡ ምስራሕ ከምዝግባእን ዝምልከቶም ኣካላት ግደኦም ክዋፅኡ ከምዘለዎምን ተገሊፁ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጥዕና ዶክተር ደረጀ ዱጉማ፥ ትራንስፎርሜሽን ትልሚ ጥዕና ሓሙሽተ ዓመት ብዙሕ ዘተ ከምዝተገበረሉን ጥዕና መናእሰይን ሰገናትብ ኣብ ውሽጢ እቲ ትልሚ ተኻቲቶም ካብ ዝትግበሩ ትልሚታት ጥዕና ካብ ሞንጎ እቶም ቀንዲ ቀንዲ ትልሚታት ሓደ ከምዝኾነን ተዛሪቦም፡፡

ኣብዚ ጉዳይ ኣድሂብካ ምስራሕ ድማ ካብ ጥዕና ሓሊፉ ብብርኪ ሃገር ናይ ባዕሉ ዝኾነ ረብሓ ከምዘለዎ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ሚኒስቴር ጥዕና ዳይሬክተር ኣዶታትን ህፃናትን ዶክተር መሰረት ዘላለም ብግደአን፥ ኣብ ሚኒስቴር ጥዕና ጥዕና መናእሰይን ሰገናትን ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ትኹረት ተዋሂቡ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፀን፡፡

ብመንፅር ስፍሓት ዘሎ ፀገም ግን ዝምልከቶም ኣካላት ብዝተበታተነ ኩነታት ዝሳለጡ ተግባራት ኣብ ሓደ ማእኸል ብምግባር ዝሐሸ ውፅኢት ምምዝጋብ ከምዝከኣል ምግላፀን ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment