ጥንቃቐ ዝጠልብ ኣመጋግባ እዋን በዓል  

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ እዋን በዓላት ኣመጋግባ ግቡእ ጥንቃቐ እንድሕር ዘይተገይሩ ንፀገም ጥዕና ከቃልዕ ይኽእል፡፡

ኣመጋግባ እዋን በዓላት ጥንቃቐ ዝተመልኦ ምግባር ከምዝግባእ እውን ሰብ ሞያ ይምዕዱ፡፡

ምኽንያቱ ድማ ቅብኣት ዝበዝሖ ምግቢ ምምጋብ ከሽዐ ንሕማም ናይ ምቅላዕ ዕድሉ ልዑል ስለዝኸውን ኢዩ፡፡

ጥንቃቐ ዝጎደሎ ኣመጋግባ እንድሕር ኮይኑ÷ ከም ምንፋሕ ከብዲ፣ ናይ ከብዲ ቁርፀት፣ ኣብ ከባቢ ከሽዐ ምቅፃልን ካልኦት ሕማማትን ከስዕብ ከምዝኽእል ይገልፁ።

ብምዃኑ ድማ ኣብ እዋን በዓላት ህውከት ጥዕና እንተየጋጠመ ንምሕላፍ÷ ዝሰናዳእ ምግቢ ንፅህንኡ ንኽሕሎ ከምኡ እውን እቶም ምግቢታት ቅብኣት ዝበዝሖም ከይኾኑ ግቡእ ጥንቃቐ ምግባር ከምዘድሊ ሰብ ሞያ ይምዕዱ፡፡

ኣብ እዋን ኣመጋግባ ቀስ ብቐስ ንከሽዐ ብምልማድ ክኸውን ከምለዎ ኣገንዚቦም፡፡

Comments (0)
Add Comment