ጥምየት ዝተሓባበረ ዓለም ለኸ ምላሽ ዘድሊዮ ኢዩ-ቀ/ሚ ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ጥምየት ዝተሓባበረ ዓለም ለኸ ምላሽ ዘድሊዮ ኢዩ ክብል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ጉባኤ “ካብ ጥምየት ነፃ ዓለም” ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ክሌማዊ ለውጢ ምፅዋር ዘኽእል ግብርና ምርግጋፅ መሰረት ዘላቒ ውሕስነት ምግቢ ኢዩ ኢሎም።

ስትራቴጂክ ሽርክና ዘላቒ ውሕስነት ምግቢ የድሊ ኢዩ በምባል፥ ኢትዮጵያ በዚ ኩነታት ብሄራዊ ፕሮግራም ቀረፃ ትሰርሕ ከምዘላ ገሊፆም።

በፍላይ ንደቂ ኣኒስቲዮ ሓረስቶት ዝግበር ደገፍ ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅ ወሳኒ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ጥምየት ዝተሓባበረ ዓለም ለኸ ምላሽ የድሊ ክብሉ ተዛሪቦም።

ዋና ዳይሬክተር ትካል ለምዓት ኢንዱስትሪ ውሕመ ገርድ ሙለር፥ ጥምየት ካብ ዓለም ንምጥፋእ ቁርፀኝነት ፖለቲካ የድሊ ኢሎም።

ዝማዕበላ ሃገራት አውን ቅድመ ሐዚ ጥምየት ንምጥፋእ ዝኣተውኡ ቃል ክሕልዋ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ገርድ ሙለር ኣብ ዝቕፅሉ 10 ዓመታት 50 ቢሊየን ዶላር ኢንቨሰት ብምግባር ብብርኪ ዓለም ዘሎ ጥምየት ምጥፋእ ከምዝከኣል ገሊፆም።

ብምስክር ስናፍቅን ኣሸናፊ ሽብሩ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment