ጥምረት ሓይሊታት ፀፅታ ኢትዮጵያ መርሳን ጊራናን ብምቁፅፃር ንቕድሚት ይግስግስ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጥምረት ሓይሊታት ፀፅታ ኢትዮጵያ መርሳን ጊራናን ብምቁፅፃር ንቕድሚት ይግስግስ ኣሎ።

ጥምረት ሓይሊታት ፀፅታ ኢትዮጵያ ኣብ ወፍሪ ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት ኣብ ግምባር ቆቦ ቅድም ኢሉ በረኽቲ ቦታታት ዞብል ተቖፃፂሩ ዝነበረ እንትኸውን፥ ኣድማስ ምቁፅፃሩ ብምስፋሕ ኣብ ሰሜናዊ ኣንፈት ራያ ዝርከቡ በረኽቲ ቦታታት ወሲኹ ተቖፃፂሩ፡፡

ኣብ ደቡብ ኣንፈት ዞብል ከባቢታት ጉራ ወርቄ ተቖፃፂሩ ዝነበረ ናይ ወገን ጦር፥ ሕዚ ድማ ጉራ ወርቄ በረኸቲ ሰንሰለታዊ ቦታታት ሙሉእ ብሙሉእ ብምፅራይ፣ ቅድም ኢሉ ዝተቖፃፀሮ መስመር ወልዲያ መቐለ ኣስፊሑ፣ ናብ ወልዲያ ብቐረባ ርሕቐት እናገስገሰ ይርከብ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ንከተማ ውጫሌ ናፃ ዘውፀአ ናይ ወገን ጦር፣ ኣብቲ ግምባር ንወረዳ ውጫሌ ሙሉእ ብሙሉእ ዝተቖፃፀረ እንትኸውን፥ ንከተማታት ውርጌሳ፣ ሊብሶ፣ ጊራ፣ መርሳን ኪሌን ኣብ ሰሜን ወሎ ወረዳ ሃብሩ ዝርቡ ሰንሰለታዊ በረኽቲ ቦታታት ኣብ ኢዱ ኣእቲዩ፡፡

በቶም ናይ ምጥቃዕ ምንቅስቓሳት ጀጋኖ ጥምር ጦር ወገን ብሓይሊ ኣየር እናተሓገዙ ንፀላኢ ብድሕሪ መርሳ ቆሪፆም ብምእታው፣ ኣብ ሞንጎ ውጫሌን ውርጌሳን ተኣኪቡ ዝነበረ ፀላኢ ሙሉእ ብሙሉእ ደምሲሶምዎ፡፡

ሕበረተሰብ እቲ ከባቢ እውን ምስ ጥምር ጦር ወገን ብምውዳድ፣ እግረይ ኣውፅእኒ ኢሉ ዝሃድም ፀላኢ ካብ ዱር እናኣረየ ብምድምሳስ፣ ዘኹርዕ ገድሊ ፈፂሙ፡፡

ምውዳድ ሕብረተሰብን ናይ ወገን ጦርን ፀላኢ ዝዘረፎ ንብረትን ተተኳን ሒዙ ከይወፅ ገይሩዎ ኢዩ፡፡

ጥምር ጦር ወገን ኣብ ሞንጎ ከተማታት ወልዲያን ሃራን ዝርከብን መውፅኢ ዝሰኣነን ፀላኢ ብዝተዋደደ መልክዑ ኣብ ምጥቃዕ ይርከብ ኢሉ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment