ጥምረት ሓይሊተታት ፀፅታ ኢትዮጵያ ንከተማ ወልዲያ ሓዊሱ ከባቢታት ሰሜን ወሎ ሙሉእ ብሙሉእ ተቖፃፂሩ

ሰበር ዜና

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጥምረት ሓይሊተታት ፀፅታ ኢትዮጵያ ንከተማ ወልዲያ ሓዊሱ ከተማታት ሃራ፣ ሳንቃ፣ ሲሪንቃን ቆቦን ሙሉእ ብሙሉእ ተቖፃፂሩ።

ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ከምዝሓበሮ፥ ጥምረት ሓይሊተታት ፀፅታ ኢትዮጵያ ብወፍሪ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ንከተማ ወልዲያ ሓዊሱ ከባቢታት ሰሜን ወሎ ናፃ ከውፅእ ክኢሉ።

ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ እናተመርሐ ዝርከብ ወፍሪ ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት፥ ብዝተዋደደ መገዲ ምጥቃ ካብ ዝጅምር ንደሓር ፀላኢ ቅስሙ ብምውቅዑ፥ ፀላኢ ድሌቱ፣ ናይ ምግባር ዓቕሙን ስነ-ኣእምሩኡን ከምዝተበታተን ተገሊፁ፡፡

ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ዶክተር ለገሰ ቱሉ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ሙሉእ ለይቲ ሎሚ መዓልቲ ረፋድን ጀጋኑ ሰራዊት ምክልኻል፣ ሓይሊታት ፀፅታ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምስ ሓይሊ ኣየር ተዋዲዶም ብዝገበሩዎ ወፍሪ ዋና ከተማ ዞባ ሰሜን ወሎ ዝኾነት ከተማ ወልዲያ ሓዊሱ ከተማታት ሃራ፣ ሳንቃ፣ ሲሪንቃ፣ ጎብየ፣ ሮቢትን ቆቦን ሙሉእ ብሙሉእ ተቖፃፂሮም።

ስለዝኾነ ድማ ዞባ ሰሜን ወሎ ሙሉእ ብሙሉእ ብጥምረት ሓይሊታት ፀፅታ ኢትዮጵያ ካብ ሓይሊ ግብረ ራዕዲ ናፃ ከምዝወፅኣ ኣፍሊጦም።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment