ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጥሕሰት መምርሒ ኣብ ልዕሊ ዝፈፀማ 96 ካምፓሳት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ስጉምቲ መአረምታ ከምዝተወሰደ በዓል መዚ ትምህርቲን ስልጠናን ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።
እተን ትካላት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዝርከባ ከምዝኾና ብምግላፅ፥ ኣብ ዝተኻየደ ሃንደበታዊ ተፍቲሽ ካብ መምርሒ ወፃእ ተምሃሮ ብምቕባል እንተምህራ ከምዝተረኸባ ኣብሪሁ።
ብተወሳኺ ኣብ ፍቓድ ኣፍልጦን ሕድሳት ፍቓድ ኣፍልጦን እዋን ተማሊኦም ዝነበሩ እታዎታት ብምጉዳል ዘይተፈቐደለን ስያመ ብርኪ ምጥቃምን ዝኣመሰሉን ተግባራት ኣብቲ ተፍቲሽ ከምዝተረጋገፀ ተሓቢሩ።
ብመሰረት እዚ እተን ትካላት ናይ ፅሑፍ መጠንቀቕታ ካብ ምሃብ ጀሚሩ ኣብ እፍልጦ ፈቓድ ፕሮግራም፣ ብርኪ ትካልን ካምፓስን ብምስራዝ ሙሉእ ብሙሉእ ንክዕፀዋ፣ ካብ ሕጊ ወፃእ ዝተቐበለኦም ተምሃሮ ንክሰናበቱ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%
5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።