ጣቢያ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣዋሽ 3 ብኽፋል ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሩባ ኣዋሽ መሊኡ ብውሕጅ ብምዕልቕላቑ ምኽንያት ኣገልግሎት ኣቋሪፁ ምሃብ ዝነበረ ጣቢያ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣዋሽ 3 ብኽፋል ግልጋሎት ምሃብ ከምዝጀመረ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

32 ሜጋ ዋት ሓይሊ ከፈልፍል ዝኽእል ጣቢያ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣዋሽ 3፥ ብምኅንያት ሓደጋ ምዕልቕላቕ ማይ ካብ 23 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ንዘይተወሰነ እዋን ግልጋሎት ምሃብ ጠጠው ኣቢሉ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ካብ ምድርቤት ተርባይን ክሳብ ዘንጊ መራኸቢ ሮተር ዘለዉ ኣቑሑት ኤሌክትሮ መካኒካል ብማይ ተዋሒጦም ከምዝፀንሑ ይፍለጥ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ሓደ ዩኒት ናብ ስራሕ ምእታው ስለዝተኽኣለ ብኽፋል ስራሕ ዝጀመረ እንትኸውን፥ ዝተረፈ ሓደ ዩኒት ስራሕ ንምጅማር ኣብ ከይዲ ከምዝርከብ ካብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment