ጣልያን ንሕድሳት ሓድጊታት ኢትዮጵያን ልምዓት ቱሪዝምን ሓገዝ ከምትገብር ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ከባታ ንዝሳለጡ ሕድሳት ሓድጊታትን ንስራሕቲ ልምዓት ቱሪዝም ቴክኒካዊ ሓገዝ ንምግባር ድልውቲ ከምዝኾነ ኤምባሲ ጣሊያን ኣብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ሚኒስትር ቱሪዝም ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ምስ መንግስቲ ጣሊያን ብሓባር ብዛዕባ ዝስርሑ ስራሕቲ ኣመልኪጠን ምስ ኣምባሳደር ጣሊያን ኣብ ኢትዮጵያ ኦግስቲኖ ፔልሲ ዘቲየን፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝሳለጡ ሕድሳት ሓድጊታን ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ቱሪዝም መንግስቲ ጣሊያን ቴክኒካዊ ሓገዝ ንምግባር ድልው ከምዝኾነ እቶም ኣምባሳደር ኣረጋጊፆም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ኣብ ልምዓት ሓይሊ ሰብን ስልጠናን ብሓባር ንምስራሕ ከምዝተስማዕምዑ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment