ጣሊያን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝካየድ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ዝውዕል 400 ሺሕ ዩሮ ሓገዝ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ጣሊያን ብሚኒሰስቴር ገንዘብን ዓለም ለኸ ምትሕብባርን ኣቢሉ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝካየድ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ዝውዕል 400 ሺሕ ዩሮ ሓገዝ ገይሩ።

እቲ ሓገዝ ገንዘብ፥ ዴሞክራሲ ኢትዮጵያ ንምጥንኻር መረፃ ምድጋፍ ዝብሃል ፕሮጀክት ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ዩኤንዲፒ) ዝውዕል ከምዝኾነ ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ቀንዲ ዕላምኡ ድማ ዓቕሚ ቦርድ መረፃ ብምጥንኻር ከይዲ መረፃ ግልፂን ኣካታታይን ዝኾነ ከይዲ ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ምሕጋዝ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እቲ ስምምዕነት ሓገዝ፥ ኣምባሳደር ጣሊያን ኣብ ኢትዮጵያ ኣርቱሮ ሉዚን ተወካሊ ዩኤንዲፒ ኣብ ኢትዮጵያ ቱርሃን ሳሊህን ተፈራሪሞምዎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment