ጣሊያን ብሰንኪ ምውሳኽ ለበዳ ቫይረስኮሮና ኣብያተ ትምህርቲን ሹቓትን  ክትዓፁ እያ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጣሊያን ብሰንኪ ምውሳኽ ምልባዕ ቫይረስኮሮና ኣብያተ ትምህርቲ፣ ኣብያተ ምግብን ሹቓትን  ከምእትዓፁ ተገሊፁ።

እቲ ስጉምቲ ካብ ዕለተ ሰኑይ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝግበር እንትኸውን፥  ቀዳማይ ሚኒስተር ማርዮ ድራጊ ሓድሽ ማዕበል ቫይረስኮሮና ኣጋጢሙ ከምዘሎ ድሕሪ ምጥንቃቖም ዘውሰድ ዘሎ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 3 ክሳብ 5 ሚያዝያ ኣብ ዘለዉ መዓልታት ድማ ኣብታ ሃገር ምሉእ ዕፅዋ ክግበር እዩ ተባሂሉ።

እታ ቅድሚ ሓደ ዓመት ቀዲማ ሃገራዊ ዕፅዋ ዝኣወጀት ጣሊያን፥ ሕዚ’ውን ተመሊሳ ንዝርገሐ ለበዳ ቫይረስኮሮና ክትቆፃፀሮ ገና ኣብ ቃልሲ እያ ዘላ።

ኣብ’ታ ሃገር፡ ምስ ኮቪድ ዝተሓሓዝ 100 ሺሕ ሞት ዝተመዝገበ እንትኸውን፥ ኣብ ኣውሮፓ ካብ ብሪታኒያ ቀፂሉ እቲ ዝዓበየ ብዝሒ ሞት እዩ።

ፍልፈል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment