ጣሊያን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ንምጥንኻር ድልየት ከምዘለዋ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጣሊያን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ንምጥንኻር ድልየት ከምዘለዋ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፕሬዚዳንት ኮሚሽን ምክልኻልን ሴናተር ስቴፋኒያ ክራክሲ  ገሊፀን።

ሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣይሻ መሓመድ(ኢ/ር)ን ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊትን ብሴናተር ስቴፋኒያ ክራክሲ  ቤት ምኽሪ ጣሊያን ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ዘቲዮም።

እተን ሴናተር፥ ሃገረን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ደልየት ኣለዋ ኢለን።

ኢትዮጵያ ንሃገራት እዚ ቀጣና ልዑል ግደ ከምዘለዋ ብምግላፅ፥ ሃገን ብኹለ መዳይ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ሽርክና ምጥንካር ከምእትደሊ ገሊፀን።

ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ብግደአን፥ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዝንሐ ወተሃደራዊ ምትሕበባር ክብ ናብ ዝበለ ብርኪ ንምዕባይ ንዘርኣየቶ ደልየት ምምስጋነን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment