ጠንካራ ስርዓት ሓለዋ ውልቀ ዳታ ንምፍጣር ዘኽእል ኣዋጅ ፀዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጠንካራ ስርዓት ሓለዋ ውልቀ ዳታ ንምፍጣር ዘኽእል ኣዋጅ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ብኣብዝሓ ደምፂ ኣፅዲቑ።

እቲ ኣዋጅ፥ ትካል ተቖፃፃሪ ውልቀ ዳታ ብምስያም ፅኑዕ ስርዓት ሓለዋ ውልቀ ዳታ ንክፍጠር ንምግባር ወሳኒ ኢዩ ተባሂሉ።

ውልቀ ዳታ ምትእኽኻብ ኣድላዪ እናኾነ ምምፅኡን ኣብ ውሽጢ ብዲጂታል ከይዲ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ዝተኣከቡ ውልቀ ዳታታት ምቅንብባር ንማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ምዕባለ ዘለዎ ግደ ክብ እናበለ ምምፅኡን ስዒቡ እቲ ኣዋጅ ከምዝተሰናድአ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ጠንካራ ስርዓት ሓለዋ ውልቀ ዳታ ንምፍጣር ዘኽእል ኣዋጅ ሎሚ መዓልቲ ብኣብዝሓ ድምፂ ከምዝፀደቐ ተገሊፁ።

ብየሻምበል ምህረት

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment