ጓማ ልዑል ድምፂ እንተውፂኡ እናነፈሰ ከምዝኾነ ምልክት ኢዩ! – ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝምራሕ ናይ ወገን ጦርን ብዘይተቛረፀ ደጀንነት ህዝቢን ኣብዚ ሰሙን ኣብ ግምባራት ኩታበር፣ ተሁለደሬ፣ ወረባቦን ጭፍራን ስጉምቲ ፀረ ምጥቃዕ ከምዝወሰደ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሙዩኒኬሽን ኣብ መግለፂኡ፥ ኣብ ዝተመረፁ መሰልጠኒ ቦታታት፣ መኸዘኒ ኣፅዋርን መራኸቢ ማዕኸናትን፣ ኣካላት ፀፅታ፣ መፍረዪ ክዳውንቲን መሳርሒታትን እቲ ግብረ ራዕዲ ብጅግና ሓይሊ ኣየር ዳግም ከይለዓሉ ተገይሮም ከምዝተወቕዑ ኣፍሊጡ።

ኣብ ግምባራት ዘሰልፎም ሓይሊታት እውን ምዉታት፣ ቁሱላትን ሙሩኻትን ከምዝኾኑን ፃላኢ ዝተኣማመነሎም ከበድቲ መሳርሒታቱ ከምዝመኸኑን እቲ ኮሙዩኒኬሽን ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣብሪሁ።

ብምዃኑ ድማ ኣብ መንደር ጁንታ ድምፂን ብኽያትን በዚሑ ኣሎ ኢሉ።

“ጓማ ልዑል ድምፂ እንተውፂኡ እናነፈሰ ከምዝኾነ ምልክት ኢዩ” ዝበለ እቲ መግለፂ፥ ሰሙናዊ ኣውያት ህወሓት እውን ከምዝነፈሰ ምልክት ከምዝኾነ ገሊፁ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ውሳነ ምቁራፅ ተኹሲን ካብ ክልል ትግራይ ጠቕሊሉ ምውፅኡን ከም ስዕረት ቆፂሩ ከምዝለነረን ንጋለብቱ እውን ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ናብ ኣዲስ ኣበባ ከኣቱ ኢየ እናበለ እናፈከረ ከምዝነበረን ገሊፁ።

“ሕልሙ ግን ብቃልሲ ናይ ቁርፂ እዋን ጀጋኑ ውላድ ኢትዮጵያውያን ናብ ቀትሪ ሕልሚ ተቐይሩ ኢዩ” ኢሉ።

ስለዝኾነ ድማ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ብግፍዒ ንዝጨፍጨፎ ሰራዊትን ሒሳብ ከወራርደሉ ኢየ ንዝበሎ ህዝቢን ምሕፅንታ እናቕረበ ከምዝኾነ እቲ መግለፂ ኣፍሊጡ።

መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘኹርዕ ተጋድሎ እናገበረ ንዝርከብ መላእ ሓይሊ ፀፅታ ንፃት እውን እንተኾነ ግራ ንዘኣተዎ ወራሪን ባንዳ ግብረ ራዕዲን እዝኒ ኣይህቦን እውን ኢሉ።

እቲ ወራሪ ንምምካት፥ መላእ ህዝቢ ብፍላይ መናእሰይ እናገበሩዎ ዝርከቡ ተጋድሎ ኣጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዝግባእ እቲ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ፃዒት ኣቕሪቡ።

ብፍሬህይወት ሰፊው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment