ጎንፂ ኣብ ዝነበሮም ከባቢታት ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ዝድግፍ ፕሮግራም ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓን መሓዙቱን ጎንፂ ኣብ ዝነበሮም ከባቢታት ዝርከቡ ኣናእሽቲን ማእኸለዎትን ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ዝድግፍ ፕሮግራም ዕላዊ ገይሮም።

እቲ ፕሮግራም ኢኮኖሚ እቲ ከባቢ ናብ ዝነበሮ ንምምላስን ኣናእሽቲን ማእኸለዎትን ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት መሊስካ ንምጥያሽን ዘኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ድሕሪ ጎንፂ ዘለዉ ኣናእሽቲን ማእኸለዎትን ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ብዝሐሸ ቀረብ ፋይናንስ ንምድጋፍ ዝዓለመ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ፡፡

እዚ ድማ በቲ ጎንፂ ጉድኣት ዝበፅሖም ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታትን ኣብ ዓውዲ ምቅንብባር ሕርሻ ዝተዋፈሩ ብምድጋፍ ናብ ፍርያትን መፍረያይነትን ንምምላስ ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ኢንዱስትሪ ሓሰን ሙሃመድ÷ “እቲ ፕሮግራሙ ሕብረት ኣውሮፓ፣ ኔዘርላንድስን ጀርመን ቀፃሊ ብዝኾነ መልክዑ ወሰንቲ ኣብ ዝኾኑ ዓውዲታት ሓገዝ እናገበሩ ምዃኖም ዘርኢ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ንመናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ፍሉይ ረብሓ ከምዘለዎ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment