ጎንፂ ኣብ ዘጋጠመሎም ከባቢታት 1 ነጥቢ 4 ሚሊየን መድሃኒት ፀረ ሕማም ዓሶ ከምዝከፋፈል ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ስራሕቲ ምክልኻል ሕማም ዓሶ ንምጥንኻር ካብ ዝግበር ፃዕሪ ጎድና ጎድኒ፤ ጎንፂ ኣብ ዘጋጠመሎም ከባቢታት 1 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዝግመት መድሃኒት ፀረ ሕማም ዓሶ ከምዝከፋፈል ተገሊፁ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ ብዋና ዳይሬክተር ዩኤስኤኣይዲ ስኮት ሆክላንደር ምስ ዝተመርሐ ልኡኽ ተዛቲየን፡፡

ኣብ ዘተአን ድም ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ኣብ ዕድጊት ዋጋኡ እናወሰኸ ዝመፅአ ዛንዜራ (ኣጎበር) መከላኸሊ ሕማም ዓሶ ትኹረት ገይሮም፡፡

ዶ/ር መቅደስ÷ በቢእዋኑ ዋጋኡ እናወሰኸ ዝርከብ ዛንዜራ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምፍራይ ፃዕሪ ከምዝግበር ኣልዒለን፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገበረ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ዓለም ለኸ ኣፍረይቲ ፍርያታት ሕክምና ናብ ሃገር ንምስሓብ ምቹው ሃዋህው ካብ ምፍጣሩ ብተወሳኺ ምስቲ ትካል ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

ስኮት ሆክላንደር ብግደኦም÷ ዩኤስኤኣይዲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ስራሕቲ ምክልኻል ሕማም ዓሶ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም፡፡

1 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዝኸውን መድሓኒት መከላኸሊ ሕማም ዓሶ ንዝተስፋሕፈሐሎም ከባቢታት ከምዝህብን ተበፃሕነት መድሓኒት ሕማም ዓሶ ንምዕባይ ከምዝስራሕን እውን ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ፡፡

Comments (0)
Add Comment