ጎንፂ ሰሜን ኢትዮጵያ ጠጠው ንምባል ኣሜሪካ ስሕተታ ክትእርም ኣለዋ – ብሮንዋይን ብሩተንና ፕሮፌሰር ኣን ፊትዝ-ጀራልድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቤት ምኽሪ ኣትላንቲክ መሳርሕቲ ማእኸል ኣፍሪካ ዝኾ ብሮንዋይን ብሩተንን ኣዶ መንበር ቤት ምህርቲ ዓለም ለኸ ጉዳያት  ከምኡ እውን ፕሬፌሰር ዓለም ለኸ ድሕንነት ደሕንነት ኣን ፊትዝ-ጀራልድ ፎሬይን ኣብ መፅሄት ፖሊሲ ኣብ ዘውፀአኦ ፅሑፍ፥ ዋላኳ ነቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ህወሃት ብምውጋንስሕተት እፈፀመት ትፅናሕ እምበር ሕዚ እውን  ጎንፂ ሰሜን ኢትዮጵያ ንኸብቅዕ ኣወንታዊ ግደ ንምፅት ዘለዋ ዕድል ኣይተወደአን ክንላ ገሊፀን።

እተን ሙሁራን ኣብ ፅሑፈን ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ን27 ዓማውቲ እናገዝአ ዝነበረ ኣምባገነን ጉጅለ ህወሓት ህዝባዊ ዓመፅ ከምዝተለዓለን እቲ ኣገዛዝኣ ከምዝተገርሰሰን ኣዘኻኺረን፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ማእኸላይ ስልጣን ምስ መፅኡ ዋላእኳ ብህወሓት ተዓፊኖም ዝፀንሑ ሕቶታት ብሄር ብሄረሰባት እናፈንድኡ እታ ሃገር እንተዘይተረጋገአት ብዙሓት ምምሕያሻት ገይሮም ሕቶ ዜጋታት ንምምላስ ከምዝሰርሑ ፅፈን፡፡

ይኹን እምበር እቲ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንመንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣይቅበልን ኢሉ ብምዕማፅ ናብ ትግራይ ከይዱ ይስፈር እምበር እቲ ጉጅለ ቅድም ኢሉ ብዝዘርገሖ ሸንሸል ወከልቲ ህዝቢ ኢኮኖሚን ሓይሊ ምክልኻልን እታ ሃገር መሊሱ ንምቁፅፃር ሰሪሑ ኢዩ ኢለን፡፡

ስራሕቲ ውክልንኡ ንምፍፃም እውን ካብታ ሃገር ዝዘረፎ ብቢሊየን ዶላር ዝቑፀር ሃፍቲ ኣብ ረብሓ ከምዘውዓለ ኣብሪሀን፡፡

ኣበቲ እዋን መብዛሕተኦም ምዕራባውያን በቲ ለውጢ እንትሕጎሱ ገለገሊኦም ግን ምስ ህወሓት ወታደራዊ ጎንፂ ክፍጠር ከምዝኽእል እናገለፁ ከምዝነበሩ ኣብ ፅሑፈን ገሊፀን፡፡

እተን ፀሓፍቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኤርትራ ሰላም ብምፍጣሮም ሽልማት ኖቤል ሰላም ከመዝተሸለሙ፣ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ን20 ዓማውቲ ኣፃሊኡዎም ዝነበረ ጉዳይ ዶብ በቲ ዕርቂ ምፍትሑ ንህወሓት ከምዘኾረዮን ፀግዑ ከምዘትሓዞን፣ ህወሓት ኣብ ጥቓ ዶብ ኤርትራ ዘስፈሮም ሓይሊታት ዕጥቂ ንኸፍትሕ መንግስቲ እንተሓተተ እውን እምቢ ከምዝበለ፣ እዚ ድማ ነቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሕና,ማም ርእሲ ኮይኑ ከምዝፀንሐ ዘርዚረን፡፡

እቲ ፅሑፍ ቀዳማይ ሚኒትር ኣቢይ ሰላምን ዕርቂን ንምፍጣር ብዙሓት ሉኡኻት ዕርቀ ሰላም ናብ ትግራይ ይልኣኹ እምበር ብኩርዓት እቲ ግብረ ራዕዲ ክዕወት ከምዘይከኣለ ተመልኪቱ፡፡

ሰብ መዚ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኃል እዚ ሰሜን ዝፈፀሙዎ መጥቃዕቲ ኲናት ከምዝወለዐ እውን ገሊፀን፡፡

እተን ፀሓፍቲ ምምሕዳር ፕሬዚዳንት ጆ ባይደን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ምኽንያት ገበን ጉጅለ ህወሓት ንምሽፋን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘተኮረ ቅፅዓት እናንበረ ምፅንሑ ኣልዒለን።

ምምሕዳር ባይደን ዝተሰሓሓተ ኣካይድኡ ብምእራም ጎንፂ ሰሜን ኢትዮጵያ ጠጠው ኣብ ምባል ኣወንታዊ ግደ ንምፅት ሕዚ እውን ዕድል ከምዘሎ ምዒደን።

ስለዝኾነ ኣሜሪካ ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ኢዶም ንኽህቡ ብዕሊ ብምሕታት፥ ነቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዝኾ ይኹን ሓገዝ ከምዘይብላ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ክተርኢ ይግባእ ኢለን።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment