ጎንፂ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰላማዊ መዕለቢ ንመሃብ እናተኻየደ ዝነበረ ዝርርብ ሕገ መንግስታዊ ሰርዓትን ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ብዘኽበረ መልክዑን ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጎንፂ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰላማዊ መዕለቢ ንመሃብ እናተኻየደ ዝነበረ ዝርርብ ሕገ መንግስታዊ ሰርዓትን ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ብዘኽበረ መልክዑን ተዛዚሙ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ፕሪቶሪያ እናተኻየደ ዝፀንሐ ዝርርብ ሰላም እንትዛዘም ዝተገበረ ስምምዕነት ጎንፂ ብዘላቕነት ምቋም ዘካተተ ኢዩ። ኣብ ክልል ትግራይ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ንኽምለስ እውን ስምምዕ ተገይሩ።

እቲ ስምምዕነት ኣብ ሓንቲ ሉኣላዊት ሃገር ክልተ ዝተዓጠቐ ሓይሊ ክህሉ ከምዘይኽእል ዝተፀርሐ እንትኸውን፥ ብመሰረት እዚ ዕጡቓት ሕወሓት ዕጥቂ ክፈትሑ ኢዮም።

ኣብ ክልል ትግራይ መሰረታዊ ኣገልግሎት ንኽጀመር እውን ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment