ጎቦታት ገርዓልታ ኣብ ዩኔስኮ ንክምዝገብ ሪጋ ሒዙ’ሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ሓድግታት ኣብ መዝገብ ሓድግታት ዓለም (ዩኔስኮ) ንምስፋር ዘይተሓለለ ፃዕሪ ይካየድ ከምዘሎ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ገሊፁ።

ጎቦታት ገረዓልታን ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ካብ ከውሒ ተፈልፊሎም ዝተሰርሑ ኣብያተ ክርስትያናትን ኣብቲ መዝገብ ንኽሰፍር ናይ መጀመርታ መፅናዕቲ ብምክያድ ንምዝገባ ሪጋ ሒዙ ከምዘሎ ኣብቲ ቢሮ ዳይሬክተር ምርግጋፅ ብቕዓትን ቁፅፅርን ኣይተ የማነ ገድሉ ገሊፆም።

ጎቦታት ገርዓልታ ኣብ ውሽጡ ካብ ዘመነ መንግስቲ ኣኽሱም ጀሚሩ ካብ ከውሒ ተፈልፊሎም ዝተሃንፁ ብዙሓት ጥንታዊ ኣብያተ ክርስትያን ዝሓቖፈ እንትኸውን፥ ሰንሰለታዊ ኣቀማምጣ እቶም ጎቦታት ንዓይኒ በፃሕቲ ዝስሕብ እዪ።

ኣብ መበል 6ይ ክፍለዘበን ከምዝተሃነፀ ዝዝረበሉ ገዳም ኣቡነ የማእታ፥ ካብቶም ኣብ ገርዓልታ ዝርከቡ ካብ ከውሒ ተፈልፊሎም ዝተሰርሑ ኣብያተ ክርስትያናት ሓደ እዩ።

ኣይተ የማነ ከምዝበልዎ፥ በዓል ኣሸንዳ እውን ኣብ መዝገብ ዩኔስኮ ንክሰፍር ይስረሓሉ ኣሎ።

ነዚ ዘድልይ ሰነዳት’ውን ናብ ዩኔስኮ ከምዝቐረበ ገሊፆም።

በዓል ኣሸንዳ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2020 “ኣሸንዳ፣ ኣሸንድየ፣ ዓይኒዋሪ፣ ማርያ፣ ሶለል፣ ፅምብል ደቂ-ኣንስትዮ ኢትዮጵያ” ተባሂሉ ንክምዝገብ ሕቶ ቀሪቡሉ ምህላዉ ካብ መርበብ ሓበሬታ ዩኔስኮ ዝረኸብናዮ መረዳእታ ይሕብር።

ኣብ ቀፃሊ ከኣ ከም መስጊድ ኣል-ነጃሺ፣ ጎቦታት ዓድዋን ጥንታዊ ቤተ መቅደስ ይሓን ኣብ መዝገብ ሓድግታት ዓለም ንክምዝገቡ ትልሚ ተታሒዙ ይስራሕ ከምዘሎ እቶም ዳይሬክተር ሓቢሮም።

ሃይማኖታዊ በዓል ጥምቀት ኣብ መዝገብ የዩኔስኮ ዝሓለፈ ረቡዕ ምምዝጋቡ ዝዝከር እዩ።

ፍልፍል፦BBC Tigrinya

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment