ጎስጓስ “ውቁባት ከተማታት ንብራኸ ኢትዮጵያ” ኣብ ክልል ኣምሓራ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ መርሃ ግብሪ ምጅማር ጎስጓስ “ውቁባት ከተማታት ንብራኸ ኢትዮጵያ” ኣብ ከተማ ባህርዳር ተኻይዱ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣረጋ ከበደ ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፌደራልን ክልልን ተረኺቦም።

ኣይተ ኣረጋ ከበደ÷ ፅሩይ ከባቢን ንፁሃት ትካላት ጥዕናን ንምፍጣር ዝተጀመረ ተግባር ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ብዕቱብ ብምግንዛብ ማሕበረሰብ ብምስታፍ ተግባራዊ ክገብሩ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ብዙሓት ለውጢታት ዝተመዝገቡሉ ፕሮግራም ኤክስቴንሽን ጥዕና ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት እናተዘሓሓለ ምምፅኡ ኣልዒሎም፡፡

“ኣብቲ ዓውዲ ዝረአዩ ፀገማት ብምፍታሕ ጥዕና ማሕበረሰብ ንኽሕሎ ምትጋህ የድሊ” ዝበሉ ኣይተ ኣረጋ÷ ዝተጀመረ ተግባር ብዘላቕነት ብምርግጋፅ ምስራሕ ከምዝግባእ እውን ምትሕስሳቦም ሓበሬታ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል የመላኽት።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment