ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ንዝኾ ይኹ ፅዕንቶ እንተይተበድሀ ንዓወት ምብቅዑ፤ ፅንዓትን ምትሕብባርን እዚ ወለዶ ዘርኢ ኢዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።
ኣይ ደመቀ መኮንን ኣብ መብሰሪ ምዝዛም ሳልሳይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ “ንዘበናት ነስሓ እናውረሰ ይፈስስ ዝነበረ ሩባ ኣባይ ደረጃ ብደረጃ ናይ ተግባር መልሱ እናሓለወ ንኻልኣይ ዙር ምፍልለፋል ሓይሊ ዓብዪ ታሩኽ በፂሑ ኢዩ” ኢሎም።
መግለፂ ሓድነትን መረጋገፂ ሕብረትን ዝኾ ግድብ ህዳሰ÷ ኣብ ከይዲ ናብ መዛዘሚ ምዕራፍ ምስግጋሩ ከምዝቐፀለ እውን ኣብሪሆም፡፡
ፕሮጀክት ግድብ ህዳሰ ንዝኾነ ይኹን ሰብ ስራሕ ፅዕንቶ እንተይተበደሀ ኣብዚ ዓብዪ ውፅኢት ምብቅዑ ፅንዓትን ምትሕብባርን እዚ ወለዶ ዘርኢ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም፡፡
ኣይተ ደመቀ መኮንን÷ ሳልሳይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ብዓወት ንኽዛዘም ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት ኣመስጊኖም፡፡
ኩሉ ኢትዮጵያዊ ኣብ ዝተረፈ ስራሕቲ መዛዘሚ ምዕራፍ ብዝተለመደ ግቡእ ሓድነቱ ብዝበለፀ ኣጠናኺ ንኅቕፅልን ሕብረቱ ንኸፅንዕን ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com