ግድብ ህዳሰ ፀገም ሓይሊ ኢትዮጵያ ዝፈትሕ፣ ስግኣት ሱዳንን ግብፅን ዝቕንስ ኢዩ-ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክሊ ህዳሰ ግድብ እንስዕቦ ከይዲ ፀገም ሓይሊ ኢትዮጵያ ዝፈትሕ፣ ስግኣት ሱዳንን ግብፅን ዝቕንስ ከምኡውን ብሓባር እንዓብየሉ ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝቐረበሎም ሕቶታት ኣብሪሆም።

“ኣብዚ ቀጠና ሰላምን ምዕባለን ዝመፅእ፣ ሓይሊ እንትፈሪ ብሓባር እንጥቀመሉ፣ ፀገም ማይ እውን እንተሃሊዩ እናተዛተና እንፈትሐሉ፣ ሰለማዊ ጉዕዞ ልምዓት ንክኸውን ንደሊ ኢና፣ ነዚ እውን ንሰርሕ ኣለና” ኢሎም።

ሃገራት እውን ኢትዮጵያ ንኻልኦት ናይ ምጉዳእ ባህጊ እንተይኮነ ብምትሕብባር ናይ ምዕባይ ባህጊ ከምዘለዋ ተገንዚቦም እቲ ጉዳይ ቀልጢፉ ደው ብምባል ናብ ሓደሽቲ ልምዓት ንምኻድ ምሕጋዝ ከምዝግባእ ኣፍሊጦም።

ኣብ መርሃ ግብሪ ምትካል ፈልሲ እውን ፈልሲ ብምትካል ብኽነት ማይ ብምቕናስ ንገዛእ ርእስኻ ብምጥቃም ካልኦት ንክጥቀሙ ክግበር ኢዩ እውን ኢሎም።

ሰላምን ምዕባለን ንምምፃእ ብምትሕብባር ክስራሕ ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment