ግድብ ህዳሰ ዕድል ሃገርና ካብ ዝውስኑ ፕሮጀክቲታት እቲ ዝገዘፈ ኢዩ-ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግድብ ህዳሰ ዕድል ኢኮኖሚያዊ ልምዓት ሃገርና ካብ ዝውስኑ ፕሮጀክቲታት እቲ ሓደን ዝገዘፈን ኢዩ ክብሉ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ ገሊፆም።

እቲ ግድብ ብሙሉእ ዓቕሙ ናብ ስራሕ እንትኣቱ ብዘፈልፍሎ ሓይሊ ኢንዳስትሪታት ብምንቕቓሕ፣ ዜጋታት ሓይሊ ነክረኽቡ ኣብ ምግባርን ወዘተ ሃገራዊ ረብሓ ከምዝህልዎ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ግድብ ህዳሰ ዕድል ኢኮኖሚያዊ ልምዓት ሃገርና ካብ ዝውስኑ ፕሮጀክቲታት እቲ ሓደን ዝገዘፈን ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ዓለም ለኻዊ ፅዕንቶታት ብምፅዋር ግድብ ህዳሰ ኤሌክትሪክ ንከፈልፍል ምግባራ ልዑል ኩርዓት ኢዩ እውን ኢሎም ኣይተ ጃንጥራር።

እቲ ግድብ ብርሃን ምሃብ ምጅማሩ እውን ልዑል ሓጎስ ከምዝስመዖምን ኣብ ቀፃሊ ንዝግበሩ ህዝባዊ ድጋፋት ተበግሶ ከምዝፈጥር ገሊፆም ክብል ኢፕድ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment