ግድብ ህዳሰ ኣብ ክራማት ቅድመ ምፍራይ ከምዝጅምር ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ክራማት ቅድመ ምፍራይ ከምዝጅምር ተገሊፁ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ሃይማኖትን ሲቪክ ማሕበራትን ኣብ ክሊ ህዳሰ ግድብ ተዛቲዩ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ግድብ ህዳሰ ኣብ ክራማት ቅድመ ምፍራይ ከምዝጅምር ተገሊፁ።

ነዚ ድማ 650 ኪሎ ሜትሮ ዝርገሐ መስመር ከምዝተኻየደ ተሓቢሩ።

እቲ ግድብ ኣብ ዝመፅእ ክራማት 18 ነጥቢ 4 ቢሊየን ኪዩቢክ ሜትር ማይ ከምዝሕዝ ኣብቲ መድረኽ ዘተ ተገሊፁ።

ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ እዋኑ ሓሊዩ ከምዝካየድ እውን ተሓቢሩ።

እቲ ግድብ ኣብዚ ሐዚ እዋን ህንፀቱ 80 ሚኢታዊ ዝበፅሐ እንትኸውን፣ ስራሕቲ ስቪል 91 ነጥቢ 8 ሚኢታዊ፣ ኤሌክትሮ መካኒካል 54 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ከምኡውን ሃይድሮ ስትራክቸር 55 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ከመዝበፅሐ ተገሊፁ።

ምዝዛም እቲ ግድብ ሓይሊ ኢነርጂ እዛ ሃገር ኣብ ሰዓት ካብ 73 ኪሎ ዋት ናብ 220 ኪሎ ዋት ክብ ከምዝብል ተገሊፁ።

ብብስራት መለሰ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment