ግድብ ህዳሰ ኣብ ሱዳንን ግብፂን ካብ ዝርከቡ ግድባት ዝለዓለ ድሕንነት ኣለዎ – ሚኒስትር ማይን መስኖን ሱዳን

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀረባ እዋን ምልኢት ማይ ዝጅምር ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳንን ግብፂን ካብ ዝርከቡ ግድባት ዝለዓለ ድሕንነት ከምዘለዎ ሚኒስትር ማይን መስኖን ሱዳን ያሲር ኣባስ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር፥ እቲ ግድብ ዘዓረፈሉ ቦታ ንሱዳን ብመንፅር ዘለዎ ቅርበት እንትረአ ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

ምስ ህንፀት እቲ ግድብ ተተሓሒዞም ብመሰረት ዝተኻየዱ ዝተወሰኑ መፅናዕቲታት፥ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ናይ ድሕንነት ደረጅኡ ኣብ ሱዳን ካብ ዝርከብ ግድብን ኣብ ግብፂ ካብ ዝርከቡ ዓበይቲ ግድባትን ዝሐሸ ኢዩ ኢሎም።

ሱዳን ኣብ ናይ ባዕላ ረብሓ ጥራሕ ጠጠው ክትብል ኢያ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፥ እቶም ዝተወሰኑ ረብሓታት ምስ ረብሓታት ኢትዮጵያን ግብፂን ዝጠዓዓሙ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

“ግድብ ህዳሰ ንሱዳን ጠቓሚ ኢዩ እንትንብል ንኢትዮጵያ ወጊንኩም ዝብል ወቐሳ ይቐርበልና ኢዩ” ኢሎም።

ፍልፍል፡-ሚዲል ኢስት ሞኒተር

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment