ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ ዝሰየሞም ሰብ ሞያታት ዘቕረቡዎ ረቂቕ ሰነድ ኢትዮጵያን ሱዳንን እንትቕበለኦ ግብፂ እንተይተቐበለቶ ተሪፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ ዝሰየሞም ሰብ ሞያታት ዘቕረቡዎ ረቂቕ ሰነድ ኢትዮጵያን ሱዳንን እንትቕበለኦ ግብፂ እንተይተቐበለቶ ተሪፋ።

ትማሊ ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቱ አዝተሳለጠ ሰለስተኣዊ ድርድር ብዝምልከት ሚኒስቴር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን መግለፂ ኣውፂኡ።

ሙሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መግለፂ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦

ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢን ሚኒስትራት ማይን ኢትዮጵያ፣ ግብፂን ሱዳንን ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ብመርበብ ሃበሬታ ተሓጊዞም ኣኼባ ኣካይዶም።

እቲ ኣኼባ፥ ብኣካቢነት ሚኒስቴር ዓለም ለኸ ርክብን ምትሕብባርን ኣቦ መንበር ኣፈፃሚ ቤት ምኽሪ ሕረት ኣፍሪካን ደቡብ ኣፍሪካ ዝተኻየደ ኢዩ።

እቶም ሚኒስትራት ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ዝግበር ድርድር ኣብ ዝቕፅለሉ ኩነታት ኣድሂቦም ልዝብ ዝገበሩ እንትኾኑ፥ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ ዝሰየሞም ሰብ ሞያታት ዘቕረቡዎ ረቂቕ ሰነድ ብዝምልከት ተዛቲዮም፡፡

ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያ እቶም ሰብ ሞያታት ዝቐረፁዎ ሰነድ ብፅቡቕ መልክዑ ከምትምልከቶን ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዝሳለጥ ድርድር ነቲ ሰነድ ከም እታወት ንምጥቃም ፍቓደኛ ከምዝኾነትን ገሊፃ፡፡

ብወገን ሱዳን እውን እቲ ሰነድ እቲ ከይዲ ጠቓሚ ገይራ ከምትምልከቶን ኣብ ቀፃሊ ሰብ ሞያታት ሕብረት ኣፍሪካ ተወሳኺ ግደ ብሓባር ብምፅዳቕ እቲ ድርድር ክቕፅል ከምትደሊ ገሊፃ፡፡

ብወገን ግብፂ ዝቐረበ ጉጅለ ግን ነቲ ሰነድ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዘይቕበሎ ኣፍሊጡ፡፡

ምልኢት ማይ ግድብ ህዳሰን ዓመታዊ ምሕደራን ኣብ ዝምልከት ሰነድ ዝግበር ድርድር ብሚዛናዊነት ኣብ ስምምዕነት ዝተበፅሐ ይኹን እምበር፥ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ተፋሰስ ሩባ ኣባይ ምስ ዝህነፁ ስራሕቲ ልምዓት ማይ ተተሓሒዙ ዝህሉ ምትእስሳር ቀንዲ ናይ ኣፈላላይ ሓሳብ ኢዩ፡፡

ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ መፈልፈሊ ሓይሊ ጥራሕ ስለዝኾነ፥ ኢትዮጵያ ኣብቲ ግድብ ዝብፃሕ ስምምዕነት ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወን ዝተማለአን ስምምዕነት ማይ ኣብዘይብሉ፣ ዘይፍትሓዊ ኣጠቓቕማ ኣብ ዘዓሰለሉ ኩነታት፣ መሰል ምጥቃም ኢትዮጵያ ዝእግድ ንኽኸውን ኣይትፈቅድን።

ነዚ መሰረት ብምግባር እውን ኢትዮጵያ ኣመላልኣን ዓመታዊ ኣመሓድራን ኣብ ዝምልከት ደምቢ ብሓበራዊ ስምምዕነት ንምዝዛም ቁርፀኛ ኢያ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኣማራፂታት ስምምዕነት ንግብፂን ሱዳንን ወገናት ዘቕረበት እንትትከውን ምላሽ እተን ሃገራት ቅኑዕ ከምዝኸውን ተስፋ ይግበር፡፡

የስድስት ሚኒስትሮች ስብሰባ ውጤቱን ያቀርባሉ

ኣብ ቀፃሊ ድማ ሰብ ሞያታት እተን ሃገራት ኣብ ትሕቲ ኣመራርሓ ሚኒስትራት ማይ ኮይኖም ኣኼበኦምንኽቕፅል ስምምዕነት ዝተገበረሎምን ናይ ፍልልይ ሓሳባትን ብምፍላይ ቀፃሊ ሰንበት 1 ጥሪ 2013 ዓ.ም ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ሽዱሽተ ሚኒስትራት ውፅኢቱ ከቕርቡ ኢዮም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment