ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ምአዪ ተስፋ፣ ይከኣልን ምትግባር ዓቕሚን ከምዝኾነ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ዘዘራረቦም ተምሃሮ ገሊፆም፡፡
እቲ ግድብ ዝሓለፎም ማሕለኻታትን ሕዚ ዝበፅሖ ጉዕዞ ብስራት ዓወትን ንናይፅባሕ ወለዶ መርአዪ ከምዝኾነ እውን እቶም ተምጋሮ ተዛሪቦም፡፡
ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ምአዪ ተስፋ፣ ይከኣልን ምትግባር ዓቕሚን ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ሃገር ካብዚኣቶም ንእትፅበዮ ስራሕ ተምሳሌት ከምዝገብሩዎ ኣልዒሎም፡፡
ከይዲ ስራሕ ግድብ ህዳሰ ፅባሕ ንዝህሉ ጉዕዞ መሰረት ብምዃን ናይ ምግጋል ዓቕሚ ከምዝፈጥር ዝገለፁ ድማ በዓል ሞያ ስነ-ልቦና ዝኾኑ ተስፋዬ ኣሰፋ ኢዮም፡፡
መርአዪ ሰሪሕኻ ምርኣይ፣ ጀሚርካ ምዝዛም ዝኾነ እቲ ግድብ ቀፃ ትውልዲ ክውግኖም ንዝኽእሉ ተግባራት መበገሲ ተሞክሮ ክኸውን ኢዩ ኢሎም፡፡
“ሃገር ዝርከብ ናይ ፅባሕ ወለዶ ፈተናታት ናይ ምስዓር ጥበብ ካብዚ ፕሮጀክት ተማሂሩ ኢዩ” ኢሎም፡፡
ብሚኪያስ ኣለሙ