ግድብ ህዳሰ ሓይሊ ምፍልፋል ምጅማሩ ዓብዪ ዓወት ኢዩ – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢሲ)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሓይሊ ምፍልፋል ምጅማሩ ዓብዪ ዓወት ከምዝኾነ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

እተን ፕሬዚዳነት ኣብ ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ሓበራዊ ኣኼባ ክልቲኦም ኣቢያተ ምኽሪ ኣብ ዘቕረበኦ መኽፈቲ መደረ÷ “ናይና ምልማዕ ንካልኦት ጉድኣት ክዘይኮነ ኣርኢና ኢና” ኢለን።

ብምዃኑ ድማ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሓይሊ ምፍልለፋል ምጅማሩ ዓብዩ ዓወት ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

ዝተኃየደ ኲናት ስዒቡ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝተጎድኡ ኣቢያተ ትምህርቲ መሊስካ ብምህናፅ ናብ ስራሕ ምምላስ ከምዝተኸኣለ እውን ገሊፀን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣገልግሎት ወለንታ ዝላ ዝተረኣየሉ ካሊእ ዓውዲ ከምዝኾነ እተን ፕሬዚዳንት ተዛሪበን።

ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት እቲ ዞባ ዘለዋ ምትእስሳር ንምምሕያሽ ዘዕግብ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ዝሓበራ እተን ፕሬዚዳንት÷ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ንኽፋሕፋሕ ፃዕሪ ከምዝተገበረ ኣብሪሀን።

“ናብ ጅቡቲ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ካብ ምግባር ሓሊፉ ንካልኦት ሃገራት ተጠቀምቲ ንምግባር እናተሰርሐ ይርከብ” ኢለን።

መንግስቲ ረብሓ ሃገር ብዝሓለወን ዘላቒ ብዝኾነን መልክዑ ምስ ህወሓት ድርድር ንምግባር ዝተኸኣሎ ፃዕሪ ኣብ ምግባር ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ኣብሪሀን።

ይኹን እምበር እቲ ኣማራፂ ሰላም ብምንፃግ ንዝግበር ዝኾነ ይኹን ትንኮያ ኣድላዪ ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣረጋጊፀን።

ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽኽር ብዝተቀላጠፈ መልክዕ ስርሑ ንኽሰርሕ ኣድላዪ ሓገዝ ብምግባር ንዝመፅኡ ሓሳባትን ውሳነታትን ተግባራዊ ንምግባር ብዕቱብ ከምዝስራሕ እተን ፕሬዚዳንት ኣብመ መደረአን ገሊፀን።

ነባራዊ ኩነታት ዓለም ለኻዊ ዲፕሎማሲ ብምርዳእ ዘላቒ ረብሓ ኢትዮጵያ ብዝሕሉ ኩነታት ምስ ፈተውቲ ሃገራት ወፃኢ ብምውዳድ ከምዝስራሕ እውን ኣፍሊጠን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment