ግድባት መፈልፈሊ ሓይሊ እኹል ማይ ከምዝሓዙ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ግድባት መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ እኹል ማይ ከምዝሓዙ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ኮርፖሬት ኮሙኒኬሽን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ሞገስ መኮንን ከምዝበሉዎ÷ ጣቢያታት መፈልፈሊ ሓይሊ ጊቤ 3፣ ገናሌ ዳዋን ጊቤ 1 ሓይሊ ንምፍልፋል ዘኽእሎም ማይ ሒዞም።

ብተመሳሳሊ መፈልፈሊ ሓይሊ መልካዋከና፣ ኣመርቲነሼ፣ ቆቃን ፊንጫን ስረሖም ንምውጋን ዘኽእል እኹል ማይ ምሓዞም ኣይተ ሞገስ ገሊፆም።

ከም ጊቤ 2፣ ኣዋሽ 2 ን 3 ዝበሉ ካልኦት መፈልፈሊ ሓይሊታት ድማ ሓይሊ ንምፍልፋል ዘኽእሎም ማይ እናኣተወሎም ምዃኑ ኣብሪሆም።

ኣብዚእዋን ክረምቲ ማይ ዘይሓዘ መፈልፈሊ ሓይሊ ከምዘየለ እውን ኣብሪሆም።

ብዮሃንስ ደርበው

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment